ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዋች፡ ከምዚ ኣብ ቢሸፍቱ ዝተላዕለ ህውከት ክልዓል ከሎ፡ ድሕሪ`ቲ ቕትለትን ማህረምትን ዝስዕብ ሰፊሕ ማእሰርቲ`ዩ ትኹረት ስኢኑ ዘሎ ይብል።
ናይሮቢ —
ኣብ`ቲ ማሕበር ላዕላዋይ ተመራማሪ ፈልክስ ሆርን፡ "መንግስቲ ኣንፈቱ ክቕይር ኣለዎ፡ ንመረረት`ቶም ተቓውሞ ዘካይዱ ክሰምዕ ኣለዎ" ይብል።
ኣሊስ ዱፊፍ ዝተባህለት ካልእ ተጣባቒት መሰል ብወገና፡ “ ናይ ሰለስተ መዓልታት ሓዘን ኣዊጅካ ኣብ`ቲ ጉዳይ ዘተኮረ ልዝብ እንተዘይገበርካ “እንታይ ዋጋ ኣለዎ" ትብል። እዚ ማለት ትብል “ወተሃደራትን ፖሊስን ሰዲድካ ንሰባት ኣብ ማእሰርቲ ዳጉንካ ናይ ሰለስተ መዓልታት ሓዘን ምእዋጅ-በቃ ኣኸለ" ብምባል ልዝብ ክግበር ትምዕድ።
በቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ቢሾፍቱ ክሊ ኦሮሚያ ኣብ እዋን ባህላዊ በዓል ዘጋጠመ ኹነታት፡ ተቓወምቲ ልዕሊ 600 ከም ዝሞቱ ክገልጹ ኸለዉ፡ መንግስቲ 55 እዮም ኢሉ`ሎ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦትን፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝወርድ ዘሎ ቕትለትን ማእሰርትን ብናጻ ወገን ክጻረ ክጽውዑ ጸኒሖም ኣለዉ።
ምሉእ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ኢትዮጵያ ዝውሰድ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ተወሳኺ ተቓውሞ`ዩ ዝዕድም ይብል ሁማን ራይትስ ዋች