ሃገራዊ ምንቅስቃስ ኢትዮጵያ ዝተባህለ ፖለቲካዊ ውድብ ምምስራቱ ተገሊጹ

ዶ/ር ጌታቸው በጋሻው

ሃገራዊ ምንቅስቃስ ኢትዮጵያ ዝተባህለ ፖለቲካዊ ውድብ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ መንጎ ኣርባዕተ ውድባት ብዝተፈረመ ስምምዕ ከምዝተመስረተ ተገሊጹ።

ነቲ ውድብ ዝመስረቱ አርበኞች ግንቦት ሸውዓተ ፡ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኦሮሞ፡ፓርቲ ህዝቢ ዓፋርን ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ህዝብታት ሲዳማን ምዃኖም አብቲ ስምምዕ አደራደርትን አፈራረምትን ካብ መንጎ ዝነበሩ ፕሮፌሰር ኢኮኖሚክስ ኣብ ቺካጎ ዩኒቨርሲቲ ዶ/ር ጌታቸው በጋሻው ገሊጾም።

ዕላማ’ቲ ምንቅስቃስ ኸአ ሓድነት ግዝኣታ ዝተሐለወ፡ ዲሞክራሲያዊ መሰል ህዝቢ ዝተኸብረሉ፡ ናይ ፖለቲካ ስልጣን ብምርጫ ዝተሓዘላ ፈደራላዊት ኢትዮጵያ ምምስራት እዩ ዝበሉ ዶ/ር ጌታቸው በጋሻው ሸቶታት እቲ ስምሞዕ እዩ ንዝበልዎም’ውን አረዲኦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

Your browser doesn’t support HTML5

ሃገራዊ ምንቅስቃስ ኢትዮጵያ ዝተባህለ ፖለቲካዊ ውድብ ምምስራቱ ተገሊጹ