ዋሽንግተን —
ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ -- ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ተጨውዮም ኣብ ሓደ ህንጻ ተታሒዞም ዝጸንሑ 90 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብፖሊስ ትማሊ ሰንበት ከም ዝተለቐቑ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ።
ፖሊስ ድሕሪ ዝግበሮ ስርሒት ነቶም ግዳያት ከፍትሕ እንከሎ፡ ጉዳይ ኢድ ኣሎዎም ኢሉ ዝጠርጠሮም ክልተ ሰባት ምእሳሩ’ውን ሎሚ ሰኑይ ገሊጹ። እቶም ስደተኛታት ኣብ ጸቢብ ገዛ ተዓጽዮም ምጽናሖም ክገልጽ እንከሎ፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣትዉ ስደተኛታት ተደጋጋሚ ግዳያት በበይኑ ሓደጋ ከም ዝዀኑ ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ኣብ 2022 ሬሳታት 30 ኢትዮጵያውን ኣብ ማላዊ ኣብ ሓደ ጋህሲ ምርካቡ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብታ ዓመት’ቲ ‘ውን ኣብ ዛምቢያ 27 ኢትዮጵያውን ብተመሳሳሊ ሬሳታቶም ኣብ ተደርብዩ ተረኺቡ’ዩ።