ለተሰንበት ግደይ ተዓዋቲት መበል 42 ዓለምለኸ ፈታኒ ጉያ በረኻ

  • ግርማይ ገብሩ

ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ

ኢትዮጵያዊት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ካምፓላ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ መበል 42 ዓለምለኸ ፈታኒ ጉያ በረኻ ማለት ሃገር አቋራጭ ተዓዊታ እያ።

ለተሰንበት በቲ ሐዚ ኣመዝጊባቶ ዘላ ውፅኢት ገንዘቤ ዲባባ ኣብዚ ዓይነት ጉያ እዚ ምስ ዘመዝገበቶ ውፅኢት ማዕረ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ። ከምኡ እውን ሓንቲ ካብተን ብደረጃ ዓለም በዚ ዓይነት ጉያ እዚ ክብረወሰን ዝሓዛ ኣርብዓተ ኣትሌታት ኮይና ኣላ።

Your browser doesn’t support HTML5

ለተሰንበት ግደይ ተዓዋቲት መበል 42 ዓለምለኸ ፈታኒ ጉያ ሃገር ኣቋራጭ

ለተሰንበት ግደይ ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ ጣብያ ዓምዲ ወያነ ደብሪ ሓይላ ተወሊዳ ዝዓበየት ጓል 19 ዓመት ኣትሌት እያ።

ትማሊ ረቡዕ ናብ ከተማ መቐለ እንትትኣቱ ጋንትኣ ጋንታ ትራንስ ኢትዮጵያን ህዝቢ ከተማ መቐለን ብልዑል ፅምብል ተቐቢሎማ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ለተሰንበት ግደይ ተዓዋቲት መበል 42 ዓለምለኸ ፈታኒ ጉያ ሃገር ኣቋራጭ