አዲስ አበባ —
ላዕለዋይ ፌደራል ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣቶ መላኩ ፈንታ ዘቕረብዎ ጥርዓን ውዱቕ ብምግባር ምስማዕ መሰኻኽር ዓቃቢ ሕጊ ክቕፅል ወሲኑ።
ብመሰረት ናይ ቀደም ሕጊ ጉምሩክ ብዘይግብሪ ዝኣተው ተሽከርከትን ካልኦት መሳርሕታትን ንሳልሳይ ወገን ምትሕልላፍ ወይ ካብ ዝኣተወሉ ዕላማ ወፃኢ ምጥቃም ብገበን የሕትት።ዝተመሓየሸ ናይ ጉምሩክ ሕጊ ግን ከምዚ ዝበለ ኽሲ ብፍታብሄር እዩ ዘሕትት።
ኣቶ መላኩ ፈንታ፣ኣቶ ገብረዋህድ ወልደጊዮርጊስ፣ኣቶ በላቸው በየነ፣ኣቶ ነጋ ገብረእግዛብሄር፣ኣቶ ከተማ ከበደ፣ኣቶ ስማቸው ከበደን ዶ/ር ፍቅሩ ማሩ ጉዳዮም በቲ ሓድሽ ሕጊ ክርኣየሎም ጠሪዖም ነይሮም። ላዕለዋይ ፈደራል ቤትፍርዲ ነቲ ጥርዓን ውዱቕ ብምግባር ካብ ሎሚ ጀሚሩ ረቡዕን ዓርብን እናቐረቡ ጉዳዮም ክስማዕ ወሲኑ።
ብማዕርግ ሚኒስትር ናይ ቀደም ናይ ኢትዮጵያ እቶትን ጉምሩክን ብዓል ስልጣን ዋና ዳይረክተር ኣቶ መላኩ ፈንታን ምኽትሎም ኣቶ ገብረዋህድ ወልደጊዮርጊስን ሓዊሱ ሒደት ሰራሕተኛ እቲ ብዓል ስልጣንን ገለ ሰብ ሃብትን ዓቃቢ ሕጊ ኮሚሽን ስነ ምግባርን ጸረ-ብልሽውና ገበናት ብልሽውና ፈፂሞም ብዝብል'ዩ ኸሲሱዎም።