ናብ ኦሎምፒክ ዝቀራረቡ ዘለው ኣትሌታት ኢትዮዽያ ተዓዊቶም

ኣብ ማራቶን ሮተርዳም ሆላንድ፣ ኢትዮዽያዊያን የማነ ኣድሓነ ብደቂ-ተባዕትዮ፣ቲቂ ገላኔ ብደቂ-ኣነስትዮ ተዓዊቶም።

የማነ ዝተዓወተሉ ሰዓት፣ክልተ ሰዓትን ኣርባዕተ ደቃይቅን 48 ሰኮንድን ክኸውን ከሎ፣ወዲ ሃገሩ ጌቱ ፈለቀ ካልኣይ፣ኣብ‘ቲ ውድድር ክዕወት‘ዩ ዝብል ትፅቢት ዝፀንሖ ኬንያዊ ሞሰስ ሞሶፕ ሳልሳይ ኮይኖም ነቲ ውድድር ዞዚሞምዎ።

ኣብ ማራቶን ደቂ-ኣነስትዮ ዝተዓወተት ቲቂ ዝተዓወትሉ ጊዜ ክልተ ሰዓትን 18 ደቃይቅን 58 ሰኮንድን‘ዩ።ጣልያናዊት ቫለርያ ስትራንኮ ካልአይቲ፣ኢትዮዽያዊት መሪማ ሓሰን ሳልሰይቲ።

ፓሪስ‘ውን ንውድድር ማራቶን ኣተኣናጊዳ ነይራ ትማሊ ሰንበት። ውፅኢት ብደቂ-ኣነስትዮ ኢትዮዽያዊት ትርፊ በየነ ቀዳመይቲ፣ኢትዮዽያ ዝመቦቅላ ቱርካዊት ሃይዳር ሱልጣን ካልአይቲ፣ማክዳ ሃሩን ንሳ‘ውን ኢትዽያዊት‘ያ ሳልሰይቲ።

ናብ ውድድር ሃገር ኣቋራጭ ክንሰግር፣ቡፓ ዓብዪ ጉያ ሃገር ኣቋራጭ ኢድንበርግ ትማሊ ሰንበት ተካይዱ።ቀነኒሳ በቀለ ሎም-ዘበን እቲ ቅልጡፍ ሰዓት ኣመዝጊቡ ነቲ ውድድር ዛዚምዎ።

29 ዓመት ዝዕድሚኡ ቀነኒሳ በቀለ፣ንስዻኛዊ ኣያድ ላምዳሰንን ንጣልያናዊ ደንየል ማቺ ብልዕሊ ሓደ ደቂቃ ቀዲሙ‘ዩ ተዓዊቱ።

ክብረ-ወሰን ማራቶን ንነዊሕ እዋን ብሒታ ዘላ እንግሊዛዊት ፓውላ ራድክሊፍን ወናኒ ብርክት ዝበሉ ክብረ-ወሰናት ሃይለ ገብረስላሴን ኣብ ፍርቂ ማራቶን ቪየና ኣውስትርያ ተቀዳዲሞም።ሃይለ ገብረስላሴ ተዓዊቱ። ፓውላ በቲ ውፅኢት ኣይተሓጎሰትን።

ኣብ‘ቲ ጉያ ፍርቂ ማራቶን፣ፓውላ ካብ ሃይለ 7 ደቂቃን 58 ሰኮንድን ቀዲማ ጉያ ንክትጅምር ተፈቂዱላ ነይሩ።እንተኾነ ሃይለ ንራድክሊፍ ኣብ መበል 15 ኪ/ሜትሮ ኣርኪቡ ሓሊፉዋ።ፍርቂ ማራቶን ዝዛዘመሉ ሰዓት ስሳ ደቃይቅን 52 ሰኮንድን፣ፓውላ 12 ደቂቃ ድሒራ ፈፂማቶ።

ኣብ ክልተ ኦሎምፒካት ተሸላማይ ሜዳልያ ወርቂ ሃይለ ገብረስላሴ፣ገና ንኦሎምፒክ ለንደን ኣይበቅዐን ዘሎ።ፓውላ ግና ኣብ ማራቶን ለንደን ክትሳተፍ‘ያ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ክልቲኦም ኣትሌታት ቅድሚ ኣብ ጉያ ፍርቂ ማራቶን ምፅማዶም፣ምስ ፕረዚደንት ኣውስትርያ ሄይንዝ ፊሸር ተራኺቦም ነይሮም።
ስፖርታዊ ዜና ዛዚምና‘ለና።