ዋሽንግተን —
ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ መስፍን ጣሰው ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ በዓል-መዚ ኣቭየሽን ኤርትራ ናይ ባንክ ሕሳቦም ስለ ዘደስከሎ ናይ ኣስመራ በረራታት ከቋርጾ ከም ዝተገደደ ገሊጹ።
ኣብ 2018 ዝጀመረ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ፡ ብሰንኪ እቲ መንገዲ ኣየር ገይሩዎ ዝበሎ ጉድለታት ካብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ኣትሒዙ ከቋርጽ ምዃኑ ብዓል መዚ ኣቭየሽን ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣመልኪቱ ነይሩ።
ኣብቲ ጉዳይ ርእይቶኦም ንሮይተርስ ዘካፈሉ ዲፕሎማሰኛታት ምቍራጽ በረራ መርኣያ ኣብ መንጎ ክልተ መሪሕነታት ዘሎ ፍልልይ ዘነጽር’ዩ በሃልቲ’ዮም። እቲ ኣገልግሎት ዜና ካብ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ተወሳኺ መብርሂ ንዝምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይቀንዖን።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ ባንክ ሕሳቡ ብምድስካሉ ናይ ኣስመራ በረራ ምቍራጹ ገሊጹ