ኢትዮዽያ ሳተላይት ንምልኣኽ ትሰርሕ‘ላ

ሳተላይት

ኢትዮዽያ 'ክዩብ ሳት' ንዝተባሃለት ሳተላይት ናብ ህዋ ንምውንጫፍ ምቅርራባት ትገብር ከምዘላ ጋሻና ይገልፁ።እታ ሳተላይት ሓንቲ ካብ‘ተን ሰለስተ እታ ሃገር ንክትልእኸን መደብ ዝሓዘቶ ምኳኑ‘ውን ተገሊፁ‘ሎ።

ጀርመን ትሰርሓ እታ ሳተላይት ካብ ማእከል መወንጨፊ ሩስያ ናብ ህዋ ከምትሕምበብን ኣብ ኣስታት ሰለስተ ሚእቲ ኪ/ሜ ርሕቀት ኮይና ንኣገዳሲ ሓበሬታት ከምትልግስን ኣቶ ተስፋይ ከሓሰ ጠቂሱ።

እተን ሳተላይታት ሓበሬታ ርክባት፣ፀጥታውን ወትሃደራውን ከምኡውን ሕርሻዊ ሓበሬታት ዝእክባን ዝልእኻን ክኾና‘የን።

Your browser doesn’t support HTML5

ምስ ጋሻና ንዝተካየደ ሙሉእ ቃለ-መጠይቅ ተኸታተሉ