ግንባር ሓርነት ኦጋደን ብወገኑ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ልዕሊ 100 ሰለማውያን ሰባት ቀቲሎም ይብል
ፕሮግራም መግቢ ዓለም(WFP) ድሕሪ`ቲ ኣብ ኽሊ ኦጋደን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታቱ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ኣብ`ቲ ኽሊ ዝገብሮ ሬድኤት ናይ ምዕዳል ስራሕ ጠጠው ከምዘበሎ ድሕሪ ምግላጹ፡ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ብወግዒ ዝተነገረና ኣይኮነን ይብሉ`ለዉ። WFP ንኹነታት ጸጥታ ኦጋደን በብእዋኑ እናገምገመ፡ እቶም ተጸበይቲ ክሳብ ዝጠምዩ ክጽበ ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ`ሎ።
ብኻልእ ወገን በቲ ኣብ መኪና ሕቡራት ሃገራት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ መንግስትን ዕጡቓትን ነንሕድሕዶም ይካሰሱ`ለዉ። መንግስቲ፡ እቲ ጉጅለ ኣቓልቦ ዓለም ንምርካብ ዝገበሮ`ዩ ይብል። ግንባር ሓርነት ኦጋደን ብወገኑ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ወተሃደራት ኢትዮጵያ`ዮም ምኽንያቱ ኸኣ እቶም ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንጭፍጨፋ ደቂ-ሰባት ስለዝርኣዩ ንኸይምስክሩ ዝተገብረ ምሕቓቕ `ዩ ይብል።
ነቲ ኹነታት ብናጻ ወገን ንምርግጋጽ ኣይተኻእለን-ምኽንያቱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ`ቲ ቦታ ምእታው ኣየፍቅድን`ዩ።
ምሉእ ጸብጻብ ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ተጸዓኑ: