“ሃገራት ወፃኢ ክልተ ሚልዮን ሰራሕተኛታት ካብ ኢትዮጵያ ይጠልባ” ሚ/ሪ ዕዮ

ሃገራት ወፃኢ ክልተ ሚሊዮን ሰራሕተኛታት ካብ ኢትዮጵያ ንምቑፃር ድሌት ከምዘለወን፡ ምኽትል ሚኒስተር ስራሕን ክእለትን ኢትዮጵያ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ገሊፆም።

ንሶም ነዚ ዝገለጹ ኣብቲ ሎሚ ዓርቢ 7 ሓምለ 2023 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተጀመረ ኣፍሪቃዊ መድረኽ ዘተ ምፍጣር ስራሕ ኾይኑ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 2 ሚሊዮን ደለይቲ ስራሕ ከም ዘለዉ ብምሕባር፡ ነዚኦም ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ፃዕሪ ይግበር ምህላው ኣመልኪቶም። ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 6 ሚልዮን ደለይቲ ስራሕ ከም ዝተመዝገቡ ዘመልከቱ፡ እቶም ምኽትል ሚኒስትር፡ ነዚኣቶም ስራሕ ናይ ምፍጣር ሓላፍነት ናይ መንግስቲ ጥራሕ ክኸውን የብሉን ኢሎም። ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ድማ እቲ ውልቀ ዘፈር ዕድል ስራሕ ንክፈጥር ዘኽእሎ ምቹእ ባይታ ምጥጣሕ እዩ ኢሎም።

ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ መድረኽ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ዕድል ሰራሕ መናእሰይ ንዘሎ ማሕለኻታትን ብድሆታትን ብዝምልከት ዘተ ተኻይዱ። ዓመታዊ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣስታት 19-ሚልዮን ደለይቲ ስራሕ እኳ እንተ ሃለዉ፡ ነቲ ብዝሒ ዝመጣጠን ስራሕ ከም ዘይርከብ’ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሱ'ዩ።