ኣብ ኢትዮጵያ ፓርቲ ሓድነት ንዲሞክራስን ፍትሕን ዝያዳ ውፅኢታዊ ክኸውን ዝኽእለሉ ሜላታት ዘፅንዕ ኮሚቴ መስሪተ ኢሉ

ፓርቲ ሓድነት ንዲሞክራስን ፍትሕን ሰላማዊ ቃልሱ ዝያዳ ውፅኢታዊ ክኸውን ዝኽእለሉ ሜላታት ዘፅንዕ ኮሚቴ መስሪተ ኢሉ'ሎ።

ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲ ሓድነት ዝሓለፈ ሰንበት ተአኪቡ ዘውፅኦ መግለፂ ከም ዝበሎ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወደግ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ብውልቀ መላኽነቱ ኣናደፍአሉ'ዩ፣ ዝተፈላለዩ አሰርቲን ዘፍርሁን መምርሕታትን ስሪትን እናውፅአ ንሕገ መንግስቲ ከይተገዝአ ብግልፂ ልዕሊ ሕጊ ይኸውን'ሎ ክብል'ውን ኸሲሱ'ሎ።

ብምኽንያት'ዚ ነገራት ልዕሊ ዓቅሚ ከም ዝኾነን ግን ብአዋጅ ክሳብ ዘይተኸልኸለ ፓርቲ ሓድነት ብሰላማዊ ቃልሱ ክሳብ መወዳእታ ከምዝደፍአሉ አረጋጊፁ።

ሃገራዊ ቤት ምኽሪ'ቲ ፓርቲ ኣብ ዘካየዶ አብቲ አኼብኡ ነቲ ኩነታት ዘገናዘበ ሰላማዊ ቃልሲ ብኸመይ ዝበሉ ሜላታት ክካየድ ከም ዘለዎ ዘፅንዕ ኮሜቴ ከም ዝሰየመን ኣባል አመራርሓ'ቲ ፓርቲ ዶ/ር ሃይሉ አርኣያ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ዶ/ር ሃይሉ አርኣያ ን'ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ከም ዝበልዎ ብዛዕባ'ቶም ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ሕጊ ዘለው አባሉ አቶ አንዱአለም አራጌ ተፈፂምዎም ዝተባህለ መውቃዕቲን ዘስዓበሎም ፀገም ጥዕናን ንሶምን ኣቦ መንበር'ቲ ፓርቲ ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳን አቶ አስራት ጣሰን ምስ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብአዊ መሰላት ኢትዮጵያ ከም ዝተዘራረቡ'ውን ገሊፆም።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ