ኢትዮጵያ ምስ ባንኪ ዓለምን ዓለምለኸ ማእከን ገንዘብ ተካይዶ ልዝብ እንተተዓዊቱ 10.5 ቢልዮን ዶላር ከምትረክብ ቀ/ሚ ኣብይ ኣፍሊጦም

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ጉዳይ ልቓሕ ንፓርላማ እታ ሃገር መብርሂ እንዳሃበ - 4 ሓምለ 2024

ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ሓሙስ 4 ሓምለ 2024 ሃገሮም ምስ ባንኪ ዓለምን ዓለምለኸ ማእከን ገንዘብ ተካይዶ ልዝብ እንተተዓዊቱ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት 10.5 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ክትረክብ ከምትክእል ሓቢሮም።

እታ ከቢድ ዝቕባበን ሕጽረት ባጤራ ወጻኢን ገጢምዋ ዘሎ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝሓለፈ ዓመት ዕደኣን ክኸፍላ ካብ ዘይከአላ ሃገራት ዝርዝር ምእታዋ ይፍለጥ።

ብመሰረት ምንጭታት ሮይተርስ ኢትዮጵያ ንናይ ለውጢ ፕሮግራም 3.5 ቢልዮን ዶላር ካብ ዓለምለኸ ማ’ከብ ገንዘብ ንምልቓሕ መደብ ከምዘለዋ ኣቐዲሞም ምሕባሮም እቲ ኣገልግሎት ዜና ይሕብር። ብተወሳኺ 3.5 ቢልዮን ዶላር ንደገፍ ባጀት ካብ ባንኪ ዓለም ካብ ካልእ ድማ ነቲ ዕዳ ንምትዕርራይ 3.5 ቢልዮን ዶላር ንምርካብ ትሰርሕ ከምዘላ ሓደ ዲፕሎማት ንሮይተርስ ገሊጹ።

ተንተንቲ ብወገኖም ኢትዮጵያ ነቲ ዝቐረበ ዋጋ ብር ምጉዳል ዝብል ሓሳብ ክትቅበል ይመኽሩ።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ገለ ለውጢታት ብዘይ መብርሂ ከምዘይቕበሉ ሓቢሮም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝርከቡ ጉጅለታት ኣብ ዝኾነ እዋን ናብ ሰላማዊ ልዝብ ክመጹ ምስ ዝደልዩ መንግስቶም ድልው ምዃኑ ሎሚ ሓሙስ ሓቢሮም።

ንሶም ነዚ ዝበሉ ኣብ ጉዳይ ኣብታ ሃገር ዝረኣዩ ግጭታት ብዝምልከት ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ንዝቐረበሎ ሕቶታት ኣብ ዝመለስሉ’ዮ።

ቀ ሚ ኣብይ ወሲኾም ምስ ሶማል ዝተፈጥረ ዘይምርድ ዳእ እውን ብልዝብ ንምፍታሕ ድልዋት ምዃኖም ሓቢሮም።

ኣባላት ፓርላማ ኣብ ክልል ኣምሓራን ኦሮምያን ንዝቕጽል ዘሎ ግጭታት ብሰላም ንምፍታሕ ዝተኻየደ ጻዕርታት ዝምልከት ሕቶ’ውን ኣቕሪቦም ኔሮም።

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብቲ ሎሚ ሓሙስ 4 ሓምለ 2024 ዘካየዶ ምዱግ ኣኼባ ንናይ 2016 በጀት ኣፈጻጽማ ስራሕን እዋናዊ ጉዳያትን ብዝምልከት ንዝተላዕሉ ሕቶታት ኣልዒሉ ምዝታዩ ተፈሊጡ’ሎ።