ብዂናት ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝዓነዉ ትሕተ-ቅርፂ ቴለኮም ንምትዕርራይ መደብ ወፂኡ

ኢንጂነር ባልቻ ሬባ

ብሰንኪ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ጉድኣት ዝወረዶም ትሕተ ቅርፂ ቴሌኮም ዳግም ንምህናፅ ከም ዝሰርሕ በዓል-መዚ መራኸቢታት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኢንጂነር ባልቻ ሬባ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ቃለመሕትት፡ ነቶም ብዂናት ዝዓነዉ ትሕተ ቅርፂ ቴሌኮም ንምትዕርራይ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣገልግሎት ቴሌኮም ንምስፋሕን ዓለምለኻዊ መስመራት መራኸቢ ኢትዮጵያ ንምምሕያሽ ዘኽእሉ ስራሓት ንምስላጥ ናይ 80 ሚሊዮን ዶላር በጀት ከም ዝተታሕዘ ገሊፆም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ ብዂናት ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝዓነዉ ትሕተ-ቅርፂ ቴለኮም ንምትዕርራይ መደብ ወፂኡ