ኣዲስ ኣበባ —
ቤት ምኽሪ ሚንስተራት ኢትዮጵያ፣ ንስሩዕ ወጻኢታት ዝሽፍን ተወሳኺ ኣስታት 582 ቢልዮን ብር በጀት ብምጽዳቅ ናብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣሕሊፉዎ'ሎ።
ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ እቲ ተወሳኺ በጀት፣ ናይ መንግስቲ ፋይናንሳዊ ዓቅሚን ትጽቢት ዝግበረሉ ኣታዊን ኣብ ግምት ኣእትዩ ዝተዳለወ ከምዝኾነ ጠቂሱ ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ዓመት 22 ሓምለ ዝግበሮ ዕዳጋ ዝመርሖ ሸርፊ ባጤራ ዝሓቆፈ መማሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ስዒቡ ልዕሊ 27 ቢልዮን ዶላር ከምዝተረኸበ ምኽትል ሚንስተር ገንዘብ እዮብ ተካልኝ ንኣገልግሎት ዜና ፋና ገሊጾም ነይሮም።
እዚ ከምዚሉ ከሎ እቲ ወሰኽ በጀት፣ ኣብ ናይ ወጻኢ ንግዲ ዝተመርኮሰ ስለዝኾነ ኣብ ልዕሊ ምንሃር ዋጋ ዝጎልሀ ተጽዕኖ ከምዘይህልዎ ኪኢላ ቁጠባ ዶ/ር ቴድሮስ መኮንን ገሊጾም።