ፓርላማ ኢትዮጵያ ሎሚ ሰሉስ 17 ሕዳር 2017 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ሻድሻይ ስሩዕ ኣኼብኡ መንግስቲ ንዘቕረቦ ናይ 582 ቢልየን ብር ሕቶ ተወሳኺ በጀት ዓመት ገምጊሙ።
ኣብቲ እዋን ኣባል ቤት ምኽሪን ተፀዋዒ መንግስቲ ሚኒስትር ተስፋየ በልጃጌ፡ ነቲ ናይ መንግስቲ ሕቶ ወሰኽ በጀት ንቤት ምኽሪ ኣቕሪቦም።
እቲ ወሰኽ ሓፈሻዊ ዓመታዊ በጀት 2017 ፌደራል መንግስቲ ናብ ልዕሊ 1.5 ትሪልዮን ብር ንኽዓቢ ዝገብር እዩ።
እዚ 582 ቢልዮን ብር ተወሳኺ በጀት 185 ቢልየን ብር ንክፍሊት ዕዳ፣ 208 ቢልየን ንማሕበራዊ ድጎማ፣ 60 ቢልየን ንመስፋሕፍሒ ማሕበራዊ ሴፍቲኔት፣ 10 ቢልየን ንመቐፀልታ ፕሮጀክትታት መንግስቲ ዝቐረቡ ክኾኑ ከለዉ እቲ ዝተረፈ 119 ቢልየን ብር ድማ ንዝተፈላለዩ ወፃእታት ዝውዕል ምዃኑ ሚኒስትር ተስፋየ ኣብሪሆም።
ነቲ ተወሳኺ በጀት ካብ ዝውዕል እቲ 281.5 ቢልየን ብር ካብ ክፍሊት ግብሪ ዝእከብ ኮይኑ እቲ ዝተረፈ ድማ ካብ ሓገዛትን ልቓሕን ዝተፈላለየ አካላት ዝርከብ ምዃኑ ገሊፆም።
መንግስቲ ካብቲ ቅድም ኢሉ ሒዙዎ ዝፀንሐ 971.2 ቢልየን ብር፡ ናይ 358.5 ቢልየን ዘይተፃረየ ጉድለት በጀት ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ።
ይኹን’ምበር እዚ ተወሳኺ በጀት ፀቕጢ ዝቕባበ ንኽፍጠር ዝገብርን ንመፈፀሚ ዝተጀመሩ ፕሮጀክታት መንግስቲ (ካፒታል ወፃኢ) ተባሂሉ ዝተመደበ መጠን ውሒዱ ዝብሉን ካልኦትን ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ንዝተላዕሉ ሕቶታት ሚኒስተር ገንዘብ ኣሕመድ ሸዴ መልሲ ሂቦምሎም።
ነቲ ዘተ ስዒቡ ንዓመተ 2017 ዝቐረበ ተወሳኺ በጀት ብሰለስተ ናይ ተቓውሞን ሓሙሽተ ድምፀ ተዓቕቦ ድምፂ ጸዲቑ'ሎ።