ኢትዮዽያን ግብፅን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ኣይተሰማማዓን

ABAY DAM

ኢትዮዽያ ሱዳንን ግብፅን ብዛዕባ ህንፀት ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮዽያ ኣማእኪሎም ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ካርቱም ሱዳን ሳልሳይ ዙር ኣኼባ ኣካይዶም።

እንተኾነ ኢትዮዽያ ነቲ ግብፂ ዘቅረበቶ ነጥቢ ስለዘይተቀበለቶ ከይተረዳድኡ ተፈላልዮም።

ተላዘብቲ ግብፂ ኮሊሎም ተኳሊሎም ዝደለይዎ ረብሓ ክረጋገፀሎም ካብ ምድላይ ዝነቀለ ስትራተጂ ይጥቀሙ ከምዝነበሩን ኢትዮዽያ ከምዘይተቀበለቶ‘ውን ኣቶ ፊቅኣሕመድ ነጋሽ ንቪኦኤ ገሊፆም።

ግብፂ ኣብ ኣጀንዳ ክጠቃለሉ ዘይግበኦም ኣካል ስምምዕነት ናይል ኣልዒላ ብኢትዮዽያ ተቀባልነት ኣይረኸበን።ካይሮ ብመግዛእታዊ ውዕላት መሰረት ረብሓ ግብፂ ዘረጋግፅ ውዕል ንክኽተም ከምትደሊ‘ውን ተሓቢሩ‘ሎ።

Your browser doesn’t support HTML5

ሙሉእ ሪፖርት ስምዑ