ኢትዮጵያ ምስ ግብጺን ሱዳንን ብዛዕባ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ዝተሰማመዐትሉ ሰነድ ‘ረብሓና ዘረጋገጽናሉ’ዩ’ ኢሎም ኣብ’ቲ ልዝብ ዝተሳተፉ ወከልቲ ኢትዮጵያ።
ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ካብ 4 ክሳብ 7 ዓመታት ኣብ ዘሎ ጊዜ ንክመልእ መደብ ከምዘሎ’ውን ተገሊጹ።
ሚኒስትር ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ‘ኢትዮጵያ፣ ሓይሊ ናይ ምምንጫው ዕላማ ብዘዕውት ኣገባብ፣ ከም መጠን ወናኒት እቲ ግድብ፣ ንሕና’ውን ከም መጠን ሉኡላዊ ሃገር፣ ንወስዶ ስጉምቲ፣ ሓላፍነት ብዝተላበሰ ኩነታት፣ ኣቐዲምና ዝነጸርናዮም ነገራት ኣለው፣ ንሱ’ዩ ይትግበር ዘሎ’ ኢሎም።
ሚኒስትር ወጻኢ ግብጺ ሳሚሕ ሹኩሪ ብወገኖም ‘ልዝብ ሰለስቲኤን ሃገራት፣ ናብ ዘረዳድእ ሓባራዊ ሰነድ ንክብጻሕ ከምዝሓገዘ፣ እቲ ውዕል ዝበጽሐሉ ብርኪ ድማ ‘ግብጺ ‘ጥንቃቐ ብዝተመልኦ ተስፋ ዘለዎ ኮይኑ ከምዝረኸበቶ’ ምግላጾም ሚድያታት ግብጺ ሓቢሮም ኣለው።
Your browser doesn’t support HTML5