ኣብ ጎቦ እንጠጦ ንምርምር ህዋ ዝኸውን ህንፀት ይካየድ ኣሎ

እቲ ናይ ምርምርት ማእኸል እቶም ሊቃውንቲ ኩሉ ነገር ተማሊኡሎም ተመቺዩዎም ናይ ምርምር ተግባሮም ንኽፍፅሙ ዘኽእሎም እዩ

ናይ ህዋ ሳይንስ ዝንባለ ንዘለዎም መናእሰይ ኩነታት ምርምር ዘመቻቺ ህንፀትን ናይ ቴሌስኮፕ ዕድጊትን እናካየደ ምዃኑ ናይ ኢትዮጵያ ስፔስ ሳይንስ ሶሳይቲ ማለት’ውን ማሕበረሰብ ሳይንስ ህዋ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ንምርምር ሳይንስ ህዋ ዘገልግል ህንፀት ካብ ኣዲስ ኣበባ 20 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ኣብዝርከብ ጎቦ እንጠጦ እናተኻየደ እዩ።ነቲ ህንፀት ዘካይዶ ዘሎ ናይ ኢትዮጵያ ስፔስ ሳይንስ ሶሳይቲ ወይ ማሕበር ሳይንስ ህዋ ኢትዮጵያ እዩ።

ሰናይ ድልየት ብዘለዎም ሰባት ናይ ዝተጣየሸ ናይዚ ማሕበር እዚ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ህንፀት ሎማዕንቲ ዓርቢ ንጋዜጠኛታት ኣሪዮም። እቲ ህንፀት ናይቶም ሳይንትስታት ወይ ሊቃውንቲ መንበሪ ዝሓዘን ንመቐበሊ ጋሻ ዘገልግሉ 12 ክፍልታት ዝሓዘ እዩ።እቲ ናይ ምርምርት ማእኸል እቶም ሊቃውንቲ ኩሉ ነገር ተማሊኡሎም ተመቺዩዎም ናይ ምርምር ተግባሮም ንኽፍፅሙ ዘኽእሎም እዩ’’ኢሎም።

ወለንተኛታት ካብ 2004 ኣ/ፈ ጀሚሮም ናይ ኢትዮጵያ ስፔስ ሳይንስ ወይ ማሕበር ሳይንስ ህዋ ኣጣይሾም ኣብ ምንቅስቓስ ይርከቡ።ወሃቢ ቃል እቲ ማሕበር ምንኣላቸው ስማቸው ነቲ ማሕበር ዝመስረቱ ዝተፈላልየ ሙያ ዘለዎም ሰባት፡ነጋዶ፡ፖለቲከኛታትን ንኣስትሮኖምን ናይ ህዋ ሳይንስን ዝተፈለየ ፍቕርን ስምዒትን ዘለዎም እዮም ምስ በሉ ‘’ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕበር ሳይንትስታት ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ኣለው።እቲ ማሕበር ብድምር ካብ ሓደ ሽሕ ንላዕሊ ኣባላት ኣለውዎ።’’ኢሎም።

ንናይ ህዋ ሳይንስ ዝተፈለየ ፍቕሪ ዘለዎ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣባል ክኸውን ከምዝኽእል ዝገለፁ እቶም ወሃቢ ቃል ማሕበር ሳይንስ ህዋ ኢትዮጵያ ንዝመፅእ እዋን ብናይ ጠፈር ምርምርን ሳይንስ ህዋን ዝተፈላለዩ ምርምራትን መፅናዕትታትን ዝከየደሉን ከምኡ’ውን መስሕብ በፃሕቲ ከምዝኸውን ዝህልዎ ረብሓ ዓብዪ እዩ ክብሉ ኣብሪሆም።ብምውሳኽ ዕላማ እቲ ማሕበር ሳይንሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ማሕበርሰብ ንምፍጣርን መናእሰይ ብሳይንስ ኽስሓቡ ንምግባርን እዩ ኢሎም።

እዚ ናይ ህንፀት ፕሮጀክት እዚ ንምዝዛም ናብ 10 ሚሊዮን ዝፅጋዕ ቕርሺ ክውድእ ትፅቢት ይግበር።ብልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ዩሮ ወፃኢ ክልተ ቴሌስኮፓት ኣብዚ ናይ እንጠጦ ማእኸል ንምትኻል ክፍሊት ምፍፃሙ’ውን እቶም ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ሓቢሮም።

ብዞም ቴሌስኮፓት ኣቢሎም ኢትዮጵያዊያን ተመራመርትን ነዚ ክጥቀሙ ዝደልዩ ወፃእተኛታትን ናይቲ ህዋ መልክዕ እናርአዩ ንምርምራት ዝጠቕሙ ሓበሬታት ንምርካብ ክጥቀምሉ ከምዝኽእሉ ተዛሪቦም። እቲ ማሕበር ምንቅስቓሱ ዘካይድ ካብ ወለንተኛታትን ብዝረክቦ ሓገዝን ካብ ኣባላት ብዝእክቦ ኽፍሊትን ምዃኑ ተገሊፁ’ሎ።