ኣዲስ ኣበባ —
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ቅድሚ ትማሊ ረቡዕ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማሊላንድ ንኢዱ።
ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ብምኽንያት ኣብ ሶማሊላንድ ዝተሳለጠ ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን ምርጫ፣ ንህዝቢ ሶማሊላንድ እንቋዕ ኣሓጎሰካ ዝብል መልእኽቲ ሰዲዱ’ሎ።
መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወሲኹ ንኮምሽን ምርጫ ሶማሊላንድ፣ ነጻን ርትዓዊን ነጻን ምርጫ ስለዘተኣናገደ ክብል ናእድኡ ገሊጹ ኣሎ ። እቲ መስርሕ፣ ንናይ ሶማሊላንድ ምሕደራን ስርዓተ ዴሞክራሲን ምhyal ሓባሪ እዩ’ውን ይብል።