ቱርኪዬ ንዝጀመረቶ መንጎኝነት ሶማልያን ኢትዮጵያን ከምትቕጽሎ ኣፍሊጣ

  • ዜና ቪኦኤ

ቱርኪዬ ብሰንኪ ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ ውዕል ንዝተፈጠረ ምስሕሓብ ኢትዮጵያን ሶማልያን ንምሽምጋል ዝጀመረቶ ጻዕሪ ከምዝትቅጽሎ ገሊጻ።

ቱርኪዬ ዛጊት ንክልተ መድረኻት ልዝብ ኣብ ኣንካራ ኣተኣናጊዳ እያ። ውጽኢት ግን ኣይተረኽቦን። ን17 መስከረም 2024 ተመዲቡ ዝነበረ ልዝብ ድማ ተናዊሑ'ሎ።

ኣብ ኒውዮርክ ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ታየ ኣዝቀስላሴን ሶማልያዊ መዘነኦም ኣሕመድ ሞኣሊምፈቅን ዝተራኸቡ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪዬ መስርሕ ኣንካራ ክቅጽል’ዩ፣ ሚዛናዊን ትርጉም ዘለዎን ንክልቲኦም ወገናት ዘርብሕን ውሳኔ ንክብጻሕ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።