ሶማሊያ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊታ ካብ ወገን ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዶሎው ዝተባህለ ከተማ መጥቃዕቲ ተፈጺሙዎ ኢላ ከሲሳ ነይራ’ያ። ኢትዮጵያ ግን “መግለጺ መንግስቲ ሶማሊያ ዘደንጹ’ዩ” ክትብል መሊሳ ኣላ።
መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ እቲ ፍጻመ ንዝምድና ክልተኦም ወገናት ክዕንቅፉ ብዝደልዩ ዝበሎም ወገናት ከም ዝተላዕለ’ዩ ዝሕብር። ኣብቶም ስሞም ዘይጠቐሶም “ሳልሳይ ኣካል” ኢሉ ዝጸውዖም ድማ ንቐርኒ ኣፍሪቃ ንምሕማስ ድሌት ከም ዘለዎም መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ይጠቅስ።
ዶሎው ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ እትርከብ ከተማ ኰይና፡ ከም ናይ ሰኑይ መግለጺ መንግስቲ ሶማሊያ፡ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ጉድኣት ኣውሪዱ’ዩ ይብል። እቲ መጥቃዕቲ ንኣዋጅ ኣንካራ ዝጥሕስ’ዩ ክብል ድማ ይወቅስ።
ኣብዚ ዝደሓረ ጎንጺ መንግስቲ ሶማሊያ ሰለስተ ካብ ሰራዊቱ ክሞቱ እንከለዉ፡ ሰለስተ ድማ ቆሲሎሞ ኣለዉ። ብተመሳሳሊ ሰለስተ ካብ ሰራዊት ጁባላንድ ክቖስሉ እንከለዉ፡ ሓደ ሲቪል’ውን ኣብቲ ጎንጺ ምህራሙ ድምጺ ኣመሪካ ካብ ዘዘራረቦም ምንጭታት ይሕብሩ።
ፈለማ ናብዚ ምትፍናን ዝመርሐ ኣብ ምምሕዳር ጁባላንድን ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማሊያን ዘሎ ዘይምቅዳው’ዩ። መቓዲሾ ዘይተቐበለቶ ምርጫ ዘካየደ ኣማሓዳሪ ጁባላንድ፡ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ርክብ ድሕሪ ምብታኹ፡ ኣብ መንጎ ክልተኦም ወገናት ናብ ጎንጺ ዝኸደ ምትፍናን’ዩ ጸኒሑ። ድሒሩ እምበኣር ናብ ዶሎው ሓድሽ ኣማሓዳሪ ንምዃን ብጁባላንድ ዝተመዘዘ ኣመሓዳሪ ድሕሪ ምምጻኡን ብሰራዊት ፈደራል መንግስቲ ተቐባልነት ስለ ዘይረኸበን’ዩ ናብቲ ጎንጺ መሪሑ።
ንዶሎው ክመርሕ ዝጸንሐ ምምሕዳር ጁባላንድ ዝምድናኡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥቡቕ’ዩ። ድሕሪ’ዚ ዝተላዕለ ጎንጺ እምበኣር’ዮም ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ሰራዊት ጁባላንድ ወጊኖም ንሰራዊት ፈደራል ከም ዘጥቅዑ መቓዲሾ ዝኸስስ።
ካብ መንግስቲ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ መምርሒ ከም ዘይቅበል ዝገልጽ ምምሕዳር ጁባላንድ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ተሓታቲ ናይቲ ዝወረደ ክሳራ ምምሕዳር መቓዲሾ’ዩ ክብል ወቒሱ። መግለጺ ምምሕዳር ጁባላንድ ግን ብዛዕባ ተሳታፍነት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣይጠቐሰን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ግን ተወከልቲ ክልተኣን ሃገራት ካልእ ዝርርብ’ዮም የካይዱ ዘለው። ድሕሪ ንሶማሊያን ኢትዮጵያን ዝሸምገለ ኣዋጅ ኣንካራ፡ ናይ ሶማሊያ ስቴት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓሊ ዑመር ምስ መዘናኡ ኢትዮጵያዊ መስጋኑ ኣረጋ፡ ከምኡ’ውን ሓላፊ ጸጥታ ሶማሊያ ዓብዱላሂ መሓመድ ዓሊ ምስ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ሎሚ ሰሉስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ዘትዮም።
መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊያ ከም ዝጠቕሶ፡ እቲ ላዕለዋይ ሶማላዊ በዓል-መዚ፡ በቲ ኣብ ዶሎው ዘጋጠመ ተርእዮ መንግስቱ ዝተሰምዖ ሓዘንን ተቓውሞን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብጺሑ ኣሎ። ንጥርዓን መንግስቲ ሶማሊያ ዝተቐበለ ስቴት ሚኒስተር መስጋኑ ኣረጋ ብወገኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ መርመራ ክገብረሉ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ “ከምኡ ዝመስል ክስተታት ንምውጋድ፡ ኣብ ቀጻሊ ምስ በበይኖም ኣካላት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማሊያ ክንሰርሕ ኢና፡” ኢሉ ኣሎ።