ድሕሪ ናይ ባሕቲ ጥሪ ስምምዕ መዘከር ኢትዮጵያን ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኣብ ከቢድ ምትፍናን ዝጸንሓ ኢትዮጵያን ሶማልያን ፍልልያተን ብሰላማዊን መሬታዊ ልኡላውነትን ብዘኽብር መንገዲ ክፈትሓ ተሰማሚዐን ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድን ንሕሉፍ ፍልልያት ክቐብሩ’ውን ቃሎም ሂቦም ኣለዉ።
ብመሰረት እቲ “ኣዋጅ ኣንካራ” ዝተሰምየ ፈላሚ መግለጺ፡ መንግስታት ኢትዮጵያን ሶማልያን ንመሬታዊ ልኡላውነትን ሓድነትን ብዘውሕስ ግን ከኣ ንኣህጉራዊ ስምምዓት ብዘኽብር መንገዲ ክሰርሓ ተሰማሚዐን ኣለዋ። እቲ መግለጺ ብፍሉይ ንቻርተራት ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ከም ዘኽብር ይሕብር።
መራሕቲ ክልቲኣን ሃገራት ንዝሓለፈ ፍልልይ ንድሕሪት ገዲፎምን ንኽልቲኦም ወገናት ብዘርብሕ ሓባራዊ ናይ ልምዓት መንገዲ ክኽተሉ ምርድዳኦም’ውን ተጠቒሱ ኣሎ።
ሶማልያ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ምስ ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኸፈሎ ዋጋ ከም እተመስግን ዝጠቐሰ መግለጺ፡ ኣስዒቡ ድማ ክልተኣን ሃገራት ኣፍደገ ባሕሪ ብምኽፋት ንዝህሉወን ሓባራዊ ረብሓ ኣስፊሩ። “ንመሬታዊ ሓድነትን ልኡላውነትን ብዘኽብር መንገዲ” ኢሉ ብዝጠቐሶ ድማ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ንኢትዮጵያ ነቲ ዕድል ክኸፍተላ ምዃኑ ይሕብር።
ክልተኦም መራሕቲ ከም ብመጠን ክራይን ካልእ ንግዳዊ ሽርክነትን ኣፍደገ ባሕሪ ክጥቀሙ ከም ዝተሰማምዑ’ውን እቲ መግለጺ ኣስፊሩ ኣሎ።
እንተዀነ ብጽቡቕ መንፈስ ኢሉ ዝጠቐሶ ክልተኦም ወገናት ደጊሞም ንለካቲት 2025 ብምርኻብ ዝርዝር ናይቲ ተበጺሑ ዘሎ ኣፈናዊ ስምምዕ ክተግብሩ ምዃኖም ተሓቢሩ። እቲ ዝመጽእ ርክብ’ውን ብመንጎኝነት ቱርኪየ ክቃናዕ'ዩ።
ነቲ ርክብ ዝሸምገለ ፕረዚደንት ቱርኪየ ረጂብ ጠዪብ ኤርዶዋን፤“ገለ ዘይምስምማዕን ተስፋ ምቝራጽን ሰጊርና ኢና ናብ ሓደ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣተዓራቒ መንገዲ በጺሕና ዘሎና። ክልተኦም መራሕቲ ኣብ ሰላምን ምትሕብባርን ዝተመስረተ መንገዲ መሪጾም ኣለዉ። እዚ ቀዳማይ ስጕምቲ’ዩ፡”ኢሉ ኣስዒቡእቲ ስምምዕ፡ ንዝሓለፈ ፍልልያት ቀቢሩ ንቕድሚት ዝጥምት ምዃኑ’ውን ጠቒሱ።
ፕረዚደንት ኤርዶዋን ነቶም “ኣሕዋተይ” ኢሉ ዝጸውዖም ክልተ መራሕቲን ናብቲ ደረጃ ንምብጻሕ ዝመጽኡዎ መንገዲ’ውን መጕሱ።
ብምቕጻል ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓሙድ፡ እቲ ስምምዕ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተራእየ ፍልልይ ዘጽብብን መኸተምታ ዝገበረን’ዩ ኢሉ ብምጥቃስ፡ ንህዝብታት ክልተኣን ሃገራት ብዘርብሕን መጻኢ ዕድላት ክልቲኡ ህዝብታት ዘዕብን፡” ክብል ገሊጹዎ።
“ሶማልያ ኵሉ ግዜ ቀንዲ መሓዛ ኢትዮጵያ ነይራን ንብሕጂ’ውን ክትከውንን’ያ። ዝምድና ክልተ ህዝብታት ንዝመጽእ ዓመታት ዝቕጽልን ንዅሉ ዘርብሕን’ዩ። ሰላምን ጸጥታን ልዕሊ ዝዀነ ኣብ ዝድለየሉ ዞባ ኢና ዘሎና። ሓቢርና ብምስራሕ ክንረብሖ እንኽእል ከኣ ብዙሕ’ዩ።”
ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ምትፍናን ሰኣን ቅኑዕ ምርድዳእ’ዩ ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብወገኑ፤ “ጎረባብቲ ጥራይ ዘይኰናስ፡ መጻኢ ዕድልና ብደም ዝተኣሳሰረን ዝተረረን ኣሕዋን ኣሓትን ኢና። ሶማላውያንን ኢትዮጵያውያን ናይ ሓባር ዶባት፡ ቋንቋን ባህሊን ጥራይ ኣይኰኑን ዝወራረሱ። እቲ ዝምድና ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ኣባላት ሰራዊት’ውን ንጸጥታን ሰላምን ክብሉ ብደም መስዋእቲ ዝኸፈልሉን ካብ መጥቃዕታት ግብረ-ሽበራ ዝተኸላኸልሉን’ዩ”ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ወሲኹ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ይዓቢ ከም ምህላዉ መጠን፡ ኣፍደገ ባሕሪ የድልዮ ድሕሪ ምባል፡ ሕቶኦም ብሰላማዊን ንቑጠባዊ ረብሓታት ክልተኡ ወገናት ብዘርብሕ መንገዲን ክፈትሕዎ ምዃኖም ጠቒሱ።
ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ነዚ ኣብ መንጎ መራሕቲ ሶማልያን ኢትዮጵያን ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ኣገዳሲ ስጉምቲ ኢሉ ብምጽዋዕ፡ ቀልጢፉ ክትግበር ጸዊዑ። ብተመሳሳሊ’ውን ዋና-ጸሓፊ በይነ-መንግስታዊ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ’ውን ብጊድኡ ሓደ ኣብነት ናይ ፍልልይ ብሰላም ምፍታሕ ዝብል መትከል’ዩ ብምባል ነቲ ገስጋስ ብጽቡቕ ተቐቢሉዎ ኣሎ።
ዝርዝር ኣዋጅ ኣንካራ ዛጊት ወግዓዊ ኣይኰነን። ንኣብነት ብዛዕባ ናብዚ ዘብጽሐ ታሪኻዊ መዝከር ስምምዕ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን እንታይ ከም ዝዀነ ዛጊት ኣይተነጸረን።
ኣብ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ’ውን ሎሚ ካልእ ምዕባለታት’ዩ ዘሎ። ነቲ ስምምዕ መዘከር ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝፈረመ ሙሰ ዓብዲ ቢሒ ሎሚ ሓሙስ ስልጣኑ ኣረኪቡ ካብ መዝነቱ ወሪዱ ኣሎ። ቃለ-ማሕላ ዝፈጸመ ፕረዚደንት ዓብዲራሕማን ዓብዱላሂ ኣብ ናይ መኽፈቲ መደረኡ ብዛዕባ’ቲ መዘከር ስምምዕ ኣይጠቐሰን።