ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓመድ ካብ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ረጂፕ ኤርዶዋን ብዝተገብረሎም ዕድመ ናብ ቱርኪ ክገሹ መደብ ከምዘለዎም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ሶማልያ ገሊፆም። ብተመሳሳሊ ክልተ ላዕለዎት ሰበስልጣናት ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ‘ውን ናብ ኣንካራ ክገሹ ትፅቢት ከምዘሎ ንድምፂ ኣመሪካ ፈነወ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓቢሮም።
እቶም ሰበስልጣን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ማሕሙድን ድሕሪ በብሕቶም ምስ ፕረዚደንት ኤርዶዋን ዘተ ከምዘካይዱ እንተገለጹ ብዛዕባ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ግን ዝበልዎ የለን።
ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ነቲ ሓዱሽ ምዕባለ ኣመልኪቱ ንድምጺ ኣመሪካ ክሳብ እዚ ጽሑፍ ዝወጸሉ ጊዜ ምላሽ ኣይሃበን።
ክልቲአን ሃገራት ድሕሪ እቲ ኢትዮጵያ ኣብ 1 ጥሪ 2024 ምስ ሶማሊላንድ ዝፈረመቶ “ታሪኻዊ” ዝተባህለ ስምምዕ መዘክር ወጥሪ ምጽንሓን ይዝከር።
ኣብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን ኣብ ቱርኪ ዝተኻየዱ ዘተታት'ውን ነቲ ወጥሪ ከህደኦ ኣይከኣለን። እቲ ንሳልሳይ እዋን ኣብ ወርሒ መስከረም ክካየድ ዝተመደበ ዘተ ድማ ተናዊሑ ጸኒሑ'ዩ።