ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ፕሮግራም ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ 2-ሚልዮን ልቓሕ ምሕታታ ምንጭታት ሓቢሮም

ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ናይ ተሃድሶ ፕሮግራም ኣስታት ክልተ ቢልዮን ዶላር ንምልቓሕ ምስ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ (IMF) ትዘራረብ ከምዘላ ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ኣርባዕተ ምንጭታት ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ገሊፆም።

ድሕሪ'ቲ ፕሮግራም ዝሓተቶ ካብ ናይ ዓለምለኸ ኣለቃሕቲ ዘሎ ብፅሒት 500% ዝኸውን መጠን ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ናይታ ሃገር ዕዳ ዘላቕነት ንምግምጋም ይሰርሕ ከምዘሎ እቶም ስሞም ክግለጾም ዘይደለዩ ነቲ ሓበሬታ ብውልቂ ደረጃ ዝሃቡ ምንጭታት ሮይተርስ ገሊጾም።

ኣብ ፈላማይ ትንታነ ዕዳ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ: ኢትዮጵያ ክሳብ 2026 ናይ ሽዱሽተ ቢሊዮን ዶላር ፋይናንሳዊ ክፍተት ክህልዋ ከምዝክእል ምቅማሩ: ብመሰረት ነቲ ልዝብ ቀረባ ዝኮኑ ኽልተ ምንጭታት እቲ ኣብ ዝርርብ ዘሎ መጠን ገንዘብ ኣብ ምርካብ እንተድኣ ተዓዊታ እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ እዚ ግዜ ኣስታት ናይ 4 ቢሊዮን ዶላር ክፍተት ክትደፍን ኣለዋ።

ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን ባንኪ ዓለምን ናይዚ እዋን ኣኼብኦም ኣብ ዋሽንግተን የሳልጡ ኣብ ዘለውሉ እቲ ልዝብ ይቕጽል ምህላው ተፈሊጡ ኣሎ።

ሓደ ጉጅለ ልኡኽ ካብ 27 መጋቢት ክሳብ 7 ሚያዚያ 2023 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዑደት ፈፂሙ ኣሎ።

"ዓቐን እቲ ንኢትዮጵያ ዝወሃብ ደገፍ ገና ኣይተወደአን። ክልቲኦም ወገናት ኣብ ገምጋም ዘላቕነት ዕዳ ይዘራረቡ ምህላዎም ግን ሓደ ካብቶም ምንጭታት ሓቢሩ ሎ።

ወሃቢ ቃል ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ምክትል ሚንስትር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኢዮብ ተካልኝን ኣዛዚ ማእኸላይ ባንኪ ማሞ ምህረቱን ርእይቶኦም ክህቡ ብሮይተርስ ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ኣይሃቡን።

ኢትዮጵያ ኣብ 2021 ብሓባራዊ ኣሰራርሓ ጉጅለ20 ዕድኣ ዳግም ክመዓራረየላ ሓቲታ ነይራ። እቲ ናይ ጉጅለ20 ተበግሶ ዝተሓተ ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ናይ መንግስቲ ዕድአን ዳግም ንምትዕርራይ ዝተኣታተወ ኣሰራርሓ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ንኽልተ ዓመታት ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ዝቐተለን ሚሊዮናት ዘመዛበለን ደማዊ ኵናት ነቲ ሕቶ ኣተሓላሊኹዎ ፀኒሑ እዩ።