ኢትዮጵያ፡ ምስጢራዊ ኮሚተ ብሃውሪ ቅትለትን ማእሰርትን ይእዝዝ ከም ዝነበረ ሮይተርስ ሓቢሩ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ዝቖመ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ዝሓዘ ምስጢራዊ ኮሚተ፡ ብሃውሪ ቅትለትን ማእሰርትን ይእዝዝ ከም ዝነበረ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣፍሊጡ። እቲ ንግንባር ሓርነት ኦሮሞ ንምጭፍላቕ ዝቖመ ኮሚቴ፡ ኣካል`ቲ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ስልጣን ምስሓዘ ዝጀመሮ ምዃኑ`ውን ሮይተርስ ዘካየዶ ፍተሻ የመልክት።