ኩነታት ክልል ትግራይ ሰላማዊ እንተኾነ ደርቂ ግን ንህጻናት'ቲ ክልል ብኸቢድ ይጸልው

Your browser doesn’t support HTML5

ክልል ትግራይ ሰላም እያ ዘላ እንተኾነ ሳዕቤን ኵናት ኣይገደፋን። ደርቂ ከምኡውን ስርቂ እኽሊ ረድኤት ከም ሕቡራት ሃገራትን ኣመሪካን ዝኣምሰሉ ለገስቲ ዝሓለፈ ዓመት ይልእኽዎ ንዝነበረ ሓገዝ ንጊዚኡ’ውን እንተኾነ ንከቋርጽዎ ተገዲዶም እዮ። ኣሶሴይትድ ፕረስ ብሰንኪ ደርቂን ጥምየትን ድማ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ይብል።