'ምውንጫፍ ሮኬት ኣብ ኢትዮጵያ፡ንወለዶታት ከበራብር'ዩ' ይብል ዋና ኢንጂነር ፕሮጀክት ኣልፋ-መለስ

ሙሉዓለም ሃ/ማርያም

ኣብ ትሕቲ ትካል ቴክኖሎጂ መቐለ ዝተጣየሸፕሮጀክት ሳይንስ ኤሮስፔስን ኢንጂኔሪንግ ዳይናሚክስን መለስ ኢትዮጵያ ብዓይነታ ፈላመይቲ ትኸውንን ናብ ህዋ ትውንጨፍን ሮኬትኣልፋ መለስንምስራሕ ኣብ ዛዛሚ ምዕራፍ በፂሓ ከምዘላትገልፅ

ኣካያዲ ስራሕ ፕሮጀክትሮኬት ኬሚካል ኣልፋ መለስዝኾነ ኣቶ ሙሉዓለም ሃይለማርያም ንቪኦኤ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቅ “ኣብ ፕሮጀክት ኣብ ኩለን ላዕለዎት ኣብያተ-ትምህርትን ዩኒቨርስታትን ኢትዮጵያ ዝሰርሑ ልዕሊ 60 ተመራመርቲ ቀትሪን ለይቲን ንምዕዋት መደብ ይነጥፉ ከምዘለው” ገሊፁዩ።

እቲ መደብ ዝተታሓዘሉ ህንፀት’ታ ሮኬት ኣብ እዋኑ እንተተዛዚሙ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ሓንቲ ሮኬት ኬሚካል ናብ ስትራቶስፌር በፂሓ ዕውት ምምላስ ክትገብር’ያ ይብል ንሱ።

“ብሓባር ከምስድራ፡ከምኣሕዋት ሓቢርና ስለንሰርሕ፡ዓብዪ ናይ ስራሕ መንፈስ ኣለና።ኣካል’ቲ ስራሕ ምኻነይ ዓብዪ ክብሪ ይስመዓኒ። ኩሉ ዝካኣል ንምግባር ድማ ሕዚ’ውን ይፅዕር’ለኹ።ኣምላኽ ተሓዊስዎ ፅባሕ ተዓዊቱ ነቲ ዝድለ ዕላማ ክውዕል’ዩ ኢልና ንኣምን።ስለ’ዚ ኣብ’ዚ ስራሕ’ዚ ምስታፈይ ዓብዪ ክብሪ ይስማዓኒ” ይብል መንእሰይ ተመራማሪ ሙሉዓለም ሃይለማያም።

Your browser doesn’t support HTML5

ምስ ሙሉዓለም ሃይለማርያም ዘካየድናዮም ቃለ-ምልልስ

Your browser doesn’t support HTML5

ቃለ-መጠይቅ ምስ ኣቶ ሙላለም ሃ/ያም