ኣዲስ ኣበባ —
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ ዓፋር፡ ሶማሌን ማእከላዊ ኢትዮጵያን ትማሊ ሰንበት 16 ሰነ 2016 ዓ.ም ዳግመ ምርጫን ተረፍ ምርጫን ከም ዝተሳለጠ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ናይ ትማሊ ምርጫ ኣብቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብሰንኪ ፀገም ፀጥታ ምርጫ ኣብ ዘይተገበረለንን፡ እቲ ዝተገበረ ምርጫ ንኽድገም ኣብ ዝተወሰነለንን ከባብታት ከም ዝተሳለጠ ተገሊፁ ኣሎ። ሓላፊት ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ሜላትወርቅ ሃይሉ ትማሊ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፣ እቲ ዳግመ ምርጫን ተረፍ ምርጫን ኣብ 1,258 ጣቢያታት ምርጫ ክግበር እኳ ተተሊሙ እንተነበረ፣ ብሰንኪ ፀገም ፀጥታ ግን ኣብተን 40 ጣቢያታት፣ ምርጫ ከምዘይተገበረ ገሊፀን። ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ን10 ዓመታት ምርጫ ከይተገበረ ምፅንሑ ሓባራዊ ቤትምኽሪ ውድባት ፖለቲካ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።