“ንዳግመ ህንፀት ኢትዮጵያ 20 ቢሊዮን ዶላር የድሊ”ሚ/ገንዘብ ኢትዮጵያ
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ብዝነበረ ኲናት ልዕሊ 22 ቢሊዮን ብር ዝግመት ዕንወት ከምዘጋጠመ ሓደ መፅናዕቲ ኣመልኪቱ። እቲ ሎሚ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተዳለወ ስነስርዓት ዝቐረበ መፅናዕቲ ካብ ባንኪ ዓለምን ካልኦት ወሃብቲ ሓገዝን ብዝተረኸበ ደገፍ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፀነዐ ኾይኑ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ዕንወት ዝዳህሰሰ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።