ዜና ኣብ ኢትዮጵያ ኩሉ-ሓቆፍ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝምስርት ጉባኤ ንምክያድ ድጋፍ ርእሰ-ብሄር ከምዝረኸበ ተቓወምቲ ይገልጹ ሚያዝያ 17, 2018 ዜና ቪኦኤ ተወልደ ወልደገብረኤል ملانیا ترامپ بانوی اول آمریکا در مراسم نمایش کارهای هنری آمریکاییهای جوان در کاخ سفید سخنرانی کرد. هر سال آثار هنری دانش آموزان آمریکایی در کاخ سفید به نمایش در میآید. አዲስ አበባ — ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ኹሉ ሓቆፍ ሃገራዊ ምርድዳእን ናይ መሰጋገሪ መንግስትን ኣወሃሃዲ ኮሚቴ ዝተባህለ ኣካል፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከካይዶ ንዝመደቦ ጉባኤ፡ ናይ ርእሰ-ብሄር ሙላቱ ተሾመ ድጋፍ ከምዝረኸበን፡ ካብ ሓዲሽ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ድጋፍ ንምርካብ ይጽዕር ከምዘሎን ኣፍሊጡ። እቲ ጉባኤ ካብ ሰለማዊ ቃልሲ ካልእ ኣማራጺ ክንጥቀም ኢና ንዝብሉ ሓይልታት ከይተረፈ ከምዘሳትፍ`ውን እታ ኮሚቴ ትገልጽ። እታ ናይ ምርድዳእን ምምስራት መሰጋገሪ መንግስትን ኮሚቴ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ከተማ ሲያትል ቅድሚ ኣዋርሕ ከምዝተመስረተት ድሕሪ ምግላጽ፡ኣብ`ቲ ጉባኤ ከም ግንቦት-7 ዝበሉ ብካልእ ኣማራጺ ዝቃለሱ ኣካላት ከምዝተሳተፉ መራሕቲ`ቲ ኮሚቴ ገሊጾም። ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። Your browser doesn’t support HTML5 ኣብ ኢትዮጵያ ኩሉ-ሓቆፍ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝምስርት ጉባኤ ንምክያድ ድጋፍ ርእሰ-ብሄር ከምዝረኸበ ተቓወምቲ ይገልጹ