ቤተሰብ ግዳያት ስርዓት መንግስቲ ደርግ ብዛዕባ ሃይማኖታዊ መራሕቲ ዘበገስዎ መስርሕ ዕርቂ ሪኢቶኦም ይህቡ

  • በትረ ስልጣን
ገሊኦም ምሕረት ኣይፅላእን፡ገሊኦም ድማ ዘይሕሰብ'ዩ ይብሉ

ኣብ እዋን ስርዓት ደርግ ግፍዒ ካብ ሞንጎ ዝተፈፀሞም ኢትዮጵያውንያን - ኣጋይሽ ቪኦኤ ቓንቓ ትግርኛ ኣብ ዝኾንሉ እዋን ክዛረቡ ከለው መጠን እቲ ግፍዒ ምሕረት ከግብር ዘኽእል ኣይኮነን ይብሉ።

ሰብዓ ዓመት ዝዕድሚኤን ወ/ሮ ጎዐይ ዘፈረፅዮን ካብ ካናዳ ኮይነን ክዛረባ ከለዋ ቅድሚ ኣስታት 35 ዓመታት ዕጡቓት ደርግ ኣብ ቅድሚ ዓይነን ንባዓል ቤተን ኣብ ውሽጢ ገዛ ወዶም ሓቑፎም ከለው ከምዝቀተሉለን ይሕብራ።ወደን ዶ/ር ኢሳያስ ይርጋው ብወገኑ ሽዑ ወዲ 15 ዓመት ከምዝነበረን ሞት ወላዲኡ ፅቡቅ ገይሩ ከምዝዝክሮን ይገልፅ።

ናይ ኣኽሱም ጋሻና ኣቶ ኣበበ ተጠምቀ፡ሓዎምን ካልኦትን ከምዝተቀትልዎን እዞም ይዝረበሎም ዘሎ ሰበ-ስልጣን ደርግ ምሕረት ይገበረሎምን ይፈትሑን ኢልካ ዘረባ ብትረት ይቃዎሞ'የ ዝብል እምነት ኣለዎም።