ብልዕሊ 264 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ዝተሃነፀ ዩኒቨርስቲ ራያ ተመሪቑ

  • ገብረ ገብረመድህን

ኣብ ክልል ትግራይ ዋና ከተማ ደቡባዊ ዞባ ማይጨው ብልዕሊ 264 ሚሊዮን ብር ዝተሃነፀ ዩኒቨርስቲ ራያ ብናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ፕረዚደንት ሙላቱ ተሾመ ተመሪቑ።ኣብቲ ስነስርዓት ዋና ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፣ ሚንስትር ትምህርቲ ዶ/ር ጥላየ ጌጤን ሓዊሱ ላዕለዎት ሰበስልጣን ፌደራልን ክልልን ሓዊሱ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተረኸቡ ፕረዚዳንት ዩኒቨርስቲ ራያ ፕሮፌሰር ታደሰ ደጀኔ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

እቲ ዩኒቨርስቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሓሙሽተ ኮሌጃት፣17 ክፍልታት ትምህርቲ ንልዕሊ 1400 ተማሃሮ ተቐቢሉ ኣብ ምምሃር ምስትምሃር ከምዝርከብ ፕሮፌሰር ታደሰ ገሊፆም ኣለው።

ምሉእ ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ብልዕሊ 264 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ዝተሃነፀ ዩኒቨርስቲ ራያ ተመሪቑ