ኣሚር ኳታር ኣብ ኢትዮዽያ መገሻ ፈፂሞም

  • በትረ ስልጣን

Sheikh Hamad bin Khalifa Al Thani

ኣሚር ኳታር ሸኽ ሓሚድ ቢን ከሊፋ ኣል ጣኒ፣ኣብ ኢትዮዽያ ዝፈፀምዎ መገሻ፣ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ንዝተጀመረ ርክብ ናብ ክብ ዝበለ ብርኪ ንምብፃሕ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሓላፊ ሚድያን ርክባትን ቤት ፅሕፈት ቀ/ሚ ኢትዮዽያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንቪኦኤ ከምዝገለፅዎ፣ንመገሻ ቀ/ሚ ኳታር ስዒቡ ዝመፀን ክልቲኤን ሃገራት ዝያዳ ዝርባሓሉ ጉዳያት ቁጠባ፣ፀጥታን ፖለቲካን ኣልዒሎም ምስ ሰበ-ስልጣን‘ታ ሃገር ከምዝተዘራረቡን ሓቢሮም።

ኣምር ኳታር ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዶሃ ምስ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምርኻቦም ዝዝከር‘ዩ።እዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዑደት ንኢትዮዽያን ንኤርትራን ንምዕራቅ ሽምግልና ንምጅማር’ዶ ይኸውን ንዝብል ሕቶ‘ውን መልሲ ሂቦም‘ለው።

ድልየት ኢትዮዽያ እቲ ፀገም ምስ ኤርትራ ብሰላም ንምፍታሕ ዝፀንሐ እማመ ኣሎና ምስ በሉ እቶም ኣሚር መርገፂ ኢትዮዽያ ልዕሊ ኩሉ ጊዜ ብሩህ ኮይንሎም‘ሎ ኢሎም።

ብወገን ኤርትራ ዝህሉ ርእይቶ ገና ኣይረኸብናን።

Your browser doesn’t support HTML5

Qatar-Eritrea-Ethiopia


Your browser doesn’t support HTML5

ኣዳምጹ