መራሒ ኢትዮጵያ ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ‘ሃገራዊ መንፈስ ኣብ ልብና ክሰርጽ ይግባእ’ ዝብል ጻውዒት ኣቅሪቦም።
ንሶም ነዚ ጻውዒት’ዚ ዘቅረቡ፣ ሎሚ ኣብ ሃረር ኣብ ዝተኸብረ መበል 11 መዓልቲ ብሄራትን ብሄረሰባትን’ዩ።
ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ‘ፍቕሪ ሃገር ማለት፣ ፍቅሪ ህዝባ ማለት’ዩ፣ ብምትሕልላይን ብምክብባርን ከምኡውን ኣብ ሓባራዊ ተረባሕነት ተመስሪቱ ኣብ ውሽጥና ዝያዳ ክጠናኸር ኣለዎ’ ኢሎም።
ኣብ’ቲ በዓል መራሕቲ ሱዳን፣ ጂቡቲን ሶማልያን’ውን ተረኺቦም ኣለው።
Your browser doesn’t support HTML5