ኢትዮጵያ ዕዳጋታት ስቶክ ንኣውፈርቲ ክፉት ምግባራ ኣፍሊጣ

ኣብ ስነ-ስርዓት ምክፋት ስቶክ ኤክስቸንጅ

ድሕሪ 50 ዓመታት ንዕዳጋታት ስቶክ ማዕጾኣ ኣብ እትኸፍት ዘላ ኢትዮጵያ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድድ፡ ደወል ዎል-ስትሪት ብምቕጫል፡ እታ ሃገር ብወግዒ ናብቲ ዕዳጋ ከም ዝተጸንበረት ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ሎሚ ዓርቢ ዝተኻየደ መኽፈቲ ጽንብል፡ ኣካል’ቲ ኢትዮጵያ ንቑጠባኣ ናብ ተወዳዳሪ ዕዳጋ ንምእታውን እትገብሮ ዘላ ስጕምቲ’ዩ።

ብመንግስቲ ዝውነን ኢትዮ-ቴለኮም ብወግዒ ኣብቲ ሎሚ ዝተኸፍተ ዕዳጋታት ስቶክ ክምዝገብ እንከሎ፡ እንተዀነ ክሳብ 90 ዝበጽሓን ናይ ኣርባዕተ ሚልዮን ዶላር ርእሰ-ማል ዘለወን ትካላት’ውን ብተመሳሳሊ ኣብቲ ዕዳጋ ስቶክ ክኣትዋ ምዃነን ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎ ኣካል ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

“ሓድሽ ምዕራፍን ጅማሮን’ዩ” ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵውያን ኣካሉ ኰይኖም ክወፍሩን ደፊሮም ክኣትዉን’ውን ጸዊዖም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ 2018 መዝነት ካብ ዝሕዙ ንደሓር ምትእትታው መንግስቲ ኣብ ወፍሪ ከጕድሉን ሊበራላዊ ኣገባብ ቍጠባ ክኽተሉን በብእዋኑ ክዛረቡ ጸኒሖም’ዮም። እንተዀነ ኣብቲ ብሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ እትሳቐ ዘላ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብን ካልኦት ኣልቃሕቲ ትካላትን ብዝገበረቶ ምርድዳእ ነቲ ብመንግስቲ ተዓብሊሉ ዝጸንሐ ቍጠባ እታ ሃገር ናብ ብሕታውነት ንምስጋሩን ሸርፊ’ውን ካብ ቍጽጽር መንግስቲ ክወጽእን ተሰማሚዓ’ያ።