እቲ ዲጋ 5,200 ሜጋዋት ሓይሊ አለክትሪክ ከምንጩ ይኽእል`ዩ ተባሂሉ`ሎ
ኣቶ መለስ ዜናዊ፡ ሽሕ`ኳ ድኻ ኢትዮጵያ ባዕላ ክትከፍሎ ግድን እነተኾነ፡ እቲ ናይ 4.8 ቢልዮን ዶላር ፕሮጀክት ክቕጽል`ዩ ኢሎም።”ፕሮጀክት ማያዊ ሓይሊ፡ ኣብ ሃገርና ድኽነት ንምጥፋእ ዝጻወቶ ተራ ብምግንዛብ፡ ብዘለና ሓይሊን ብዘለና ሳንቲምን ክንጥቀም ኢና”።
“ሓዲሽ ምምሕዳር ግብጺ ፡ እቲ ንሃንጾ ዲጋ ንግብጺ ዝረብሕ`ምበር ኻልእ ከምዘይኮነ ክርድኣልና ተስፋ ንገብር” ዝበሉ ኣቶ መለስ፡ ካብ`ቲ ክግበር ዝኽእል ስምምዕ ሓደ፡ ንግብጺ ኸፊል ዋንነት`ቲ ዲጋ ክህብ ከምዝኽእል ተዛሪቦም። “እቲ ፕሮጀክት ብሓባር ክንውንኖ ንኽእል ኢና”።
ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡