ፓርላማ ኢትዮጵያ ሓድሽ ፕረዚደንት መዚዙ

  • ዜና ቪኦኤ

ሓድሽ ዝተመዘዙ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ

ፓርላማ ኢትዮጵያ ሎሚ 7 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ዝወዓለ ኣኼባ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ'ታ ሃገር ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ኣምባሳደር ታየ ኣስቀስላሴ ሻድሻይ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ኮይኖም ተመዚዞም።።

ሎሚ 7 ጥቅምቲ 2024 ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ተወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ዘካይዶ ኣብ ዘሎ ራብዓይ ናይ ስራሕ ምጅማር ኣኼባ ሓድሽ መዝነት ዝተረከቡ ኣምባሳደር ታየ ኣስቀስላሴ ምስ ካብ መዝነተን ዝለቃ ዘለዋ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ናይ ስልጣን ምርክኻብ ኣካይዶም ኣለው።

ፕረዚደንት ኮይኖም ዝተመዘዙ ታየ ኣስቀስላሴ ኣቐዲሞም ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ከምኡ'ውን ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኖም ኣገልጊሎም'ዮም።

ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ምክንያት ካብ መዝነት መልቀቒኣን ብወግዒ እንተዘይሓበራ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ግን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ናይ ድምጻዊያን ናይ ደርፊ ግጥሞ ብምጥቃስ “ ወዲ ሰብ ውሽጡ ደስ ከይበሎ ኽተርፍ ከሎ፡ ሰብ ክገፍዖ ከሎ፡ መውጽኢ መዝከዲ ክስእን ከሎ ስቕታ ተስፋ እዩ ይብል፡ ምላሸይ ስቕታ'ዩ ነዚ ድማ ንሓደ ዓመት ፈቲነዮ'የ" ክብላ ጽሒፈን ኔረን።

እዚ ጽሑፍ መዘራረቢ ኮይኑ ቀንዩ'ዩ።