ጊደዎን ጢመቲዎስ ሚ/ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኰይኑ ተሸይሙ

  • ዜና ቪኦኤ

ጊደዎን ጢመቲዎስ

ካብ ጥቅምቲ 2021 ኣትሒዙ ሚኒስተር ፍትሒ ኰይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ጊደዎን ጢመቲዎስ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን መዝነት ፕረዚደንት ተረኪቡ ቦታ ዝለቐቐ ታየ ኣጽቀስላሴ ተኪኡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኰይኑ ከም ዝተሸየመ መንግስታዊ ምንጭታት ኣመልኪቶም።

ኣቐዲሙ መምህር ኣብ ክፍሊ ሕጊ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ኰይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ዶክተር ጊደዎን፡ ኣብ ጥቅምቲ 2018’ዩ ኣብ ቤት ጽሕፈ ዋና ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ብመዓርግ ሚኒስተር ተሸይሙ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበሮ ዝደሓረ ናይ ስልጣን ምሽያም፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚራ ኮሚሽነር ወፍሪ ኢትዮጵያ ኰይኑ ከተገልግል ዝጸንሐት ሃና ኣርኣያስላሴ ንቦታ ጊደዎን ተኪኣ ሚኒስተር ፍትሒ ኰይና ተሸይማ ኣላ። ኣብ ሚኒስትሪ መራኸቢታት ስቴት ሚኒስተር ኰይና ከተገልግል ዝጸንሐት ሰላማዊት ካሳ’ውን ሚኒስተር ቱሪዝም ኰይና ሓድሽ ሓላፍነት ተቐቢላ ኣላ።