ጀነራል ሰዓረ መኮነን ሓድሽ ኤታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ንክኾኑ ብቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ተመሪጾም።
ናይ’ታ ሃገር ፕረዚደንት ሙላቱ ተሾመ’ዮም ሎሚ ሓሙስ ንጀነራል ሰዓረ መኮነን ሹመት ኤታማዡር ሹም ኣልቢሶሞም።
ንነዊሕ ዓመታት ኤታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ጀነራል ሳሞራ የኑስ ብቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድን ብፕረዚደንት ሙላቱ ተሾመን ዝላዓለ ክብሪ ተሸሊሞም ከምዝተሰናበቱ’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ።
ብዘይካ’ዚ፣ እቶም ቀ/ሚ ንጀነራል ኣደም መሓመድ፣ ዳይረክተር ኣገልግሎት ሃገራዊ ሓበሬታን ድሕነትን ንክኾኑ ሾይሞም ኣለው። ንሶም ንኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ክትክኡ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ ወትሃደራዊ መዓርጎም ተቐንጢጦም ዝነበሩ ሜጀር ጀነራል ዓለምሸት ደግፌን ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌን፣ መዓርጎም ተመሊስሎም።
ክልቲኦም ወትሃደራዊ ኣዘዝቲ ነበር ሙልእ ናይ ጡረታ ረብሓኦም ንክረኽቡ’ውን ተወሲኑ።
ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ ኣፈ-ጉባኤ ፓርላማ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣባዱላ ገመዳን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣቶ ግርማ ብሩን ብጡረታ ተሰናቢቶም ኣለው ብመሰረት ሚድያት መንግስቲ ኢትዮጵያ።