6ይ ዙርያ ባዓል ብሄርን ብሄረሰባትን ኢትዮጲያ ኣብ ከተማ መቐለ ተኸቢሩ

ቢሮ ርክብ መንግስትን ህዝብን ትግራይ ንድምጺ ኣሜሪካ ብመሰረት ዝሃቦ መግለጺ እቲ ባዓል ኣብ መንጎ ህዝብታት ሓበራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ ይብል::

ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ገብረሚካኤል መለስ እቲ ባዓል ኣጋይሽ ካብ ኣላማጣ ኣትሒዙ ብዝተገበረ ኣቀባብላ ይጅምር ኢሎም:: ብድሕሪኡ ናብ ሃገረ ሰላም ኣብ ዝተገበረ ዑደት ኣጋይሽ ቅድሚ ምድምሳስ ደርግ መዋፈሪ ኢህወደግ ዝነበረ ባዓቲ ክሪኡ ተገይሩ::

ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈላለዩ ስፖርታዊ ምርኢት ክካየድ ቀንዩ:: ብሊቃውንቲ ዝቐረበ ዓውደ መፅናዕቲ ተሳሊጡ:: ባህላዊ ምርኢት ብሄርን ብሄረሰባትን ኣብ ጎደናታት መቐለ ቀሪቡ:: ኣብ ኢትዮጲያ ዝረአ ዘሎ ከለማዳያዊ ለውጢ ዝነግር ዓውደ ርእይ እውን ተኸፊቱ’ሎ::

እቲ ባዓል ቀዳማይ ሚኒስትር መለስ ዜናዊን ካልኦት ሰበ ስልጣናትን ከምኡ እውን ብዓሰርተታት ኣሻሓት ህዝቢ ኣብ ዝተረኸበሉ ኣብ ስታድዮም ትግራይ ተባዒሉ::

ብፍላይ ኣብ ቤት ትምህርቲ መርሃ ጥበብ መቐለ ብኣልባሳት ዝተፈላለዩ ብሄርን

ብሄረሰባትን ኢትዮጲያ ዝማዕረጉ ህፃውንቲ ተምሃሮ ብዝላዓለ ክብርን ድምቀትን እንተብዕሉዎ ብኣካል ተረኺበ ተኸታቲለዮ እየ::

ህፃውንቲ ተምሃሮ መርሃ ጥበብ ነቲ ባዓል ኣመልኪቶም ዘሰናድእዋ መዝሙር ድማ ልዑል ህዝባዊ ተቐባልነት ረኺባ’ላ::

ንሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ