ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ንሓደሽቲ ኣባላት ካቢነ መዚዞም

ሙኽታር ከድር፣ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፣ቴድሮስ ኣድሓኖም

ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ብደረጃ ምክትል ቀ/ሚ ዝተሾሙ ክልተ ሰበ-ስልጣን ናብ ፓርላማ‘ታ ሃገር ኣቅሪቦም።ፓርላማ ተቀቢሉ ኣፅዲቅዎ።

ናይ ዲፕሎማሲ፣መከላኸሊ፣ፀጥታን ዓብዪ ግድብ ኣባይን ቀዳማይ ምንስትር ክከታተልዎ፣ቅድም ክብል ዝተሾሙ ምክትል ቀ/ሚ ኣቶ ደመቀ መኮንን ናይ‘ቲ ንማሕበራዊ ዘፈር ብላዕለዋይነት ክመርሑ እዮም።

ሎሚ ሹመት ዝተቀበሉ ኣቶ ሙኽታር ከድር ንዘፈር ፅቡቅ ምሕደራን ሪፎርምን ክመርሑ፣ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ንዘፈር ቁጠባን ፋይናንስን፣ ምንስትር ጥዕና ዝነበሩ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ምንስትር ወፃኢ ኮይኖም ተሸይሞም።

Your browser doesn’t support HTML5

ሹመት ኣብ ኢትዮዽያ