ኢትዮዽያ 120 ሽሕ ዜጋታታ ካብ ስዑድ ዓረብ ኣግዒዛ

ተመለስቲ ካብ ስዑድ ዓረብ

ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ነቶም ናብ ሃገሮም ዝተመለሱ ስደተኛታት ኣብ ስዑድ ዓረብ የሕግዞም ከምዘሎ‘ውን ገሊፁ።

ወሃቢት ቃል IOM ክርስትያን በርትዮም፣በረራ ነፈርቲን ምጥያሽን ካብ‘ቲ ዝተወጠኖ ንላዕሊ ኮይኑ ከምዘሎ ጠቂሳ።መንግስቲ ኢትዮዽያ ኣብ ፈለማ ሰለሳ ሽሕ ዜጋታቱ ከመላልስ መደብ ሒዙ ከምዝነበረን፣ዳሓር ግና ካብ‘ቲ ዝተሓሰቦ ንላዕሊ ከምዝኾነን ትገልፅ ንሳ።ገና ከምዝቅፅል‘ውን ትሕብር።

”መንግስቲ ገና 35 ሽሕ ወይካኣ ካብኡ ዝዛይድ ሰባት ኣለው ኢሉና‘ሎ። ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ኣብ ስዑድ ዓረብ ክንደይ ዘይሕጋዊ ኢትዮዽያውያን ስደተኛታት ከምዘለው ዝፈልጥ ሰብ የለን” ትብል ንሳ።

ኢትዮዽያ ዛጊድ ን120 ሽሕ ዜጋታታ ካብ ስዑድ ዓረብ ከምዘግዐዘት ተሓቢሩ።ገና ኣብ ስዑድያ ክምለሱ ዝግባኦም ኣሻሓት‘ውን ኣለው ትብል።

ኣብ‘ዚ ቀረባ ታሪኽ ኢትዮዽያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ንምውፃእ ዝተፈፀመ ስርሒት፣እቲ ዝላዓለ ስርሒት ምግዓዝ ሰባት ብነፋሪት ተባሂሉ‘ሎ።መንግስቲ ኢትዮዽያ መዓልታዊ ናብ ስዑድ ዓረብ ነፈርቲ የመላልስ ኣሎ።