ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ዝጠሓለት ጀልባ 20 ኢትዮጵያዊያን ሞይቶም

ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን - ፋይል

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ዝጠሓለት ሓንቲ ጀልባ 20 ኢትዮጵያዊያን ከምዝሞቱ ኣፍሊጡ።እቲ ትካል እታ ካብ ጅቡቲ ዝተበገሰት ጀልባ ብሰንኪ ንፋስ ዝሓዘለ ኩነታት ኣየር ከምዝተገልበጠትን ዝጠሓለትን ሓቢሩ'ሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት እታ ጀልባ 35 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ጽዒና ከምዝነበረትን ብየመናዊ መራሕ ጀልባ ትምራሕ ከምዝነበረት ብምግላጽ ካብ ግዳያት ትሸዓተ ደቂ ኣንስትዮን 11 ደቂ ተባዕትዮን ምኳኖም ሓቢሩ።

ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 10 ዓመታት ኣብ’ዚ መስመር’ዚ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ 3,435 ስደተኛታት ከምዝተመዝግቡ፣ 1,416 ድማ ከምዝሞቱ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM) ዝዘርገሖ መግለጺ ኣፍሊጡ ኣሎ።