ብሰንበት ናብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካየደት ዋና ኣካያዲት ስራሕ ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ክሪስታሊና ጆርጂየቫ፡ እታ ሃገር እትኸዶ ዘላ ጕዕዞ “ጽንኩር” ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ መወዳእታኡ ግን “ዓቢ ዓስቢ ዝርከቦ’ዩ" ክትብል ገሊጻ።
ብሓያል ሽግራት ሸርፊ ወጻኢ ክትሳቐ ዝጸንሐት ኢትዮጵያ፡ ካብ ኣለቃሕቲን ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ብድሕሪ ዝተግብረላ ጸቕጢ፡ ፋይናንሳዊ ምትዕርራይ ከም ዝገበረት ዝዝከር’ዩ።
ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብዕዳጋ ዝኸይድ መጠን ሸርፊ ድሕሪ ምትእትታዋ፡ ሸርፊ ብር ብመጠን ዶላር ብ125% እኳ እንተወሰኸ፡ ብዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ ዝመሓደር 3.4 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ረኺባ’ያ።
ዋና ኣካያዲት ስራሕ ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ፡ ኩነታት ንምክትታል ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምብጻሓን ምስ ዝምልከቶም ሰብ-መዚ ድሕሪ ምርኻባን እታ ሃገር እትኸዶ ዘላ ቍጠባዊ መንገዲ ኣተስፋዊ ምዃኑ ተዛሪባ።
ብመሰረት ወግዓዊ ጸብጻባት፡ ኣብ 2022 መጠን ዝቕባበ ኢትዮጵያ 33.9 ክኸውን እንከሎ፡ ዝሓለፈ ዓመት ግን ናብ 23.9 ከም ዝተመሓየሸ ይግለጽ። ኣብ ዝመጽእ ዓመት ድማ ናብ 13.3 ክወርድ ትጽቢት ይግበሮ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺቡ ቃል ዘስምዐ ሚኒስተር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣሕመድ ሺደ’ውን ሃገሩ እትኽተሎ ዘላ ፖሊሲ “ዕድላት ስራሕ ክፈጥር ዝኽእልን ንህዝቢ ድማ ዓቢ ለውጢ መነባብሮ ከምጽእ ዝኽእልን’ዩ፡” ኢሉ።