ኣብዚ ጉዳይ እዚ፣ ኣብ ኣንዋር መስጊድ ዝተደረበየ ቦምብ፣ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጎንደር ብዛዕባ ዝጠፍአ ህይወትን ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንምሕንጻጽ ምንቅስቓስ ይግበር ኣሎ ንዝብሉ ጉዳያት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ መብርሂ ሂቦም ኣለው።
መብዛሕቲኡ ደላዪ ሰላም ህዝቢ ዝተወሰኑ ዞባታት ክልል ኦሮሚያ ብዛዕባ ማስተር ፕላን ኣዲስ ኣበባ ቅሬታ እንተነበሮ እውን ዝካየዱ ዘለው ሰልፍታትን ይሕዝዎ ዘለው ኣንፈትን ኣዚዩ ኣስጋኢ ኣብ ዝኾነሉ ደረጃ ብምብጽሑ፤ ኣብ ገለ ከባቢታት ዝተለምደ ናይ ፖሊስ ኣድማ ናይ ምብታን ምንቅስቓስ ናብ ዝፈለየሉ ብዕጥቒ ዝተደገፈ ሕንፍሽፍሽ ስለዝኣተው ስርዓት ንምኽባርን ሰላምን ጸጥታን ህዝቢ ንምርግጋጽን ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝተጀመረ ኣቶ ጌታቸው ሓቢሮም።
እቲ ተቓውሞ ንዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ብዝተወሰነ ደረጃ ቀጺሉ እንተነበረ ሕጂ ግን ናብ ህውከት ከምዝተቐየረን ይገልጹ።
‘ሕጂ እቲ ኩነታት ናብ ህውከት’ዩ ተቐይሩ፣ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ሰለስተ ከተማታት ብብረታዊ ዕጥቒ ዝተሓገዘ’ዩ። ንብረት መንግስትን ህዝብን ዝወደመሉ፣ዝተፈለየ ኣመላኻኽታ ዘለዎም ወገናት ብሓይሊ ብረት ዝተቐትልሉን ኣካሎም ዝጎደለሉን ኩነታት ስለዘሎ መንግስቲ ብዘለዎም ነቲ ህውከት ደው ናይ ምባል ሓላፍነት እዩ እዚ ዝተገብረ ’ይብሉ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ።
ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ክሕንጸጽ እዩ ብዛዕባ ዝብል ጉዳይ ዝተሓተቱ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ተቓወምቲ ኣብቶም ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ክሕንጸጽ እዩ እናበለ በተደጋጋሚ ምዝራቦም ልሙድ ስለዝኾነን ግን ዋላ ሓደ ነገር ዝተፈጸመ ስለዘየለን እዚ ናይ ሎሚ እውን ዝተፈለየ ነገር የብሉን ኢሎም።ከምዚ ዝበለ ሓሶት ክሕሰው ከሎ እቲ ዝተብሃለሉ ከይኮነ ክተርፍ ከሎ እዩ ዝርአ፣ዝኾነ ይኹን ቆጸሮ ይኹን ምንቅስቓስ ኣይተኻየደን ኢሎም።
ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።
Your browser doesn’t support HTML5
‘አብ ክልል ኦሮምያ ዝተላዕለ ህውከት ኣንፈቱ አስጋኢ’ዩ’ ሓላፊ ቤ/ጽ ኮሚኒኬሽን