ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ነገደ ሙርሌ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ኣብ ምርድዳእ ከምተበጽሐ ተገሊጹ

ናብ ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሮም ብምእታው 208 ዝቐተሉ ካልኦት ብዙሓት ቆልዑ ጨውዮም ዝወሰዱን ከብቲ እቲ ሕብረተሰብ ዝዘመቱን ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን ነገደ ሙሩሌ ብሕጊ ክሕተቱ ከምዘለዎም ኣብ መንጎ መንግስታት ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ምርድዳእ ከምተበጽሐ ኣመሓዳሪ ክልል ጋምቤል ኣቶ ጋልትሉክ ቱት ገሊጾም።

ንሶም ብተወሳኺ እዚ መግለጺ ነቲ ኣብ ጋምቤላ ሎሚ ቅነ ዝተኻየደ ኣኼባ ክልቲኦም መንግስታት ከምዘንጸባርቅ ገሊጾም።

“እቶም ተጨውዮም ዝነበሩ ቆልዑ እንተተረኽቡዃ ህይወት ሰብ ዘጥፍኡ ዕጡቓት ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ስራሕ ክሰራሕዩ። እዚውን ናይ ባዕሉ መስርሕ ክህልዎዩ ምኽንያቱ ዓለም-ለኸ ሕግታት ብፍላይ ናይ ዶብ ሕግታት ኣለው። ብመሰረት እዞም ዓለም-ለኸ ሕጊታት ድማ እዞም ዕጡቓት ንጹሃት ዜጋታት ብምጭፍጫፎምን ነቲ ህዝቢ ካብ ከባቢኡ ብምዝንባሎም ንብረቱ ብምዝራፍን ተሓተቲዮም በዚ ድማ ናብ ሕጊ ኽቐርቡ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑዩ” ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ነገደ ሙርሌ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ኣብ ምርድዳእ ከምተበጽሐ ተገሊጹ