ኣዲስ ኣበባ —
ኣብ ኢትዮጵያ፡ እቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ጀሚሩ ዝወሰኸ ዋጋ ነዳዲ፡ ነቲ ድሮ ከቢሩ ዘሎ መነባብሮ ዘጋድድ’ዩ ክብሉ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ሓሳባቶም ኣካፊሎም።
እቲ ኣብ ሓደ ሊትሮ በንዚንን ናፍታን ክሳብ 10 ብር ወሰኽ ዘርኣየ ዋጋ፡ ኣብ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ከም ታክሲ ቀጥታዊ ወሰኽ ክገብር ስለ ዝዀነ እቲ ሰንስለታዊ ምንሃር ዋጋ ከቢጽ ተጽዕኖ ይፈጥር ምህላዉ ይዛረቡ። መንግስቲ ግን ኣብ ዝተናውሐ እዋን ድጎማ ነዳዲ’ውን ክሓድጎ ምዃኑ’ዩ የመልክት።