ኢትዮጵያ፡ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ልዕሊ ነባሮ ተወሳኺ ተጽዕኖ የንብር

በዓል-ሞያ ቁጠባ ዶ/ር ኣደም ፈቶ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን ዝገበሮ ወሰኽ ነዳዲ ነቲ ዝጸንሐ ከቢድ መነባብሮ ዝያዳ ከም ዘኽበዶ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራርቦም ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ገሊጾም። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንድምፂ ኣመሪካ መብርሂ ዝሃቡ በዓል-ሞያ ቁጠባ ዶ/ር ኣደም ፈቶ፣ መንግስቲ ዋጋ ነዳዲ ክውስኽ ዘገደዶ ሃገራዊን ዓለምለኻውን ምኽንያታት ከምዘለዉ ይሕብሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዝለዓለ ዋሕዲ ሸርፊ ወፃኢ ከምዘለዎ ዝጠቐሱ ዶ/ር ኣደም፣ ንነዳዲ ዘውፀኦ ሸርፊ ወፃኢ ንምንካይ ክብል ዋጋ መሸጢ ምውሳኹ ተዛሪቦም።

ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዋጋ ነዳዲ ምስናይ ጎረባብቲ ሃገራት ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ትሑት ስለዝኾነ፣ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክሽየጥ ፀኒሑ እዩ ዝበሉ ዶ/ር ኣደም፣ ነዚ ንምቁፅፃር እውን ዋጋ ነዳዲ ምውሳኽ ኣድላዪ ምዃኑ ይገልፁ።

ሚኒስትሪ ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዋጋ ነዳዲ ብምውሳኹ፣ ምምሕያሽ ገይረ ኣለኹ ክብል ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ሓዱሽ ዋጋ መሸጢ ነዳዲ፣ ቤንዚንን ፃዕዳ ናፍጣን ካብቲ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝነበረ ዋጋ ብልዕሊ ሓሙሽተ ብር ወሲኾም ኣለዉ። ኣብ ካልኦት ፍርያት ነዳዲ እውን ከምኡ ዝተወሰነ ወሰኽ ተገይሩ ኣሎ።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብቲ ሚኒስትሪ ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ንሎሚ ኣይሰመረን፡፡