ዋሽንግተን —
ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ዝተቐተለ ኣባል ተቃዋሚ ሰልፊ ብዝተሓሓዝ ንሓውን ካልኦት 11 ሰባትን ኣብ ቐይዲ ምእታዎም ተሓላቂ መሰላት ሁማን ራይትስ ዋች ኣፍሊጡ።
እቲ ተሓላቒ መሰላት ሰበ-ስልጣን ነቶም ዝኣሰርዎም ፈቲሖም ኣብ ምርመራ ቅትለት በቴ ኡርገሳ ዓለማምለኻዊ ድጋፍ ክሓቱ ይግባእ ይብል።
እቲ ትካል ኣብ መግለጺኡ እቲ ዝተቐተለ ኣባል ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኮይኑ፡ ብቅሉዕ ዝዛረብ መራሒ ፖለቲካ'ቲ ውድብ ዝነበረ`ዩ ይብል። ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ንሓውን ንኻልኦትን ብዘይፍርዲ ኣሲሮሞም ስቕ ምባሎም፡ ነቲ ሓቂ ንምውጻእ ዘይኮነስ እቲ ሓቂ ንከይወጽእ ንምዕባስ ዝግበር ሜላ ምዃኑ`ዩ ዘርእይ ክትብል ላቲሻ ባዲር ኣብ ሁማን ራይትስ ዋች ምኽትል ዳይሬክተርር ኣፍሪቃ ሓቢራ።ንሳ ወሲኻ ነቶም ዝኣሰርዎም ፈቲሖም ዘይሻራዊ ዝኾነ ምጽራይ ንክግበር ኣህጉራዊ ሓገዝ ክሓቱ`ዩ ዝግባእ ትብል።
ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ብወገኑ ንቕትለት በቴ ኡርገሳ ብምኹናን ንመንግስቲ ተሓታቲ ምግባር ቅቡል ኣይኮነን ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ ኔሩ።