ሓፈሻዊ ምህርቲ ሕርሻ ኢትዮጵያ ኤል-ኒኞ ስዒቡ ብዝተፈጥረ ድርቂ ከምዘይንኪ ሚንስቴር ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣፍሊጡ።
ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ምንስቴር ኣቶ ኣለማየሁ ብርሃኑ ከምዝበሉዎ ድርቂ ኣብዘይተኸሰተሎም ከባቢታት ዝተሰርሐ ናይ ምክሕሓስ ስራሕ መጠን ምህርቲ ከይንኪ ኣክንድኡ ከምቲ ልሙድ 270 ሚሊዮን ኩንታል ክርከብ እዩ ገምጋምና ኢሎም።
ኣብ ውሽጢ 50 ዓመታት ዘይተርኣየ ዝተብሃለ ናይ ኤል-ኒኞ ድርቂ ናብ ላሊና ተሰጋጊሩ ናይዚ ሎሚ እዋን ክረምቲ ብተነፃፃሪ ዝሓሸ ናይ ምህርቲ እዋን ክኸውን እዩ ይብሉ ኣቶ ኣለማየሁ።ኣብዚ ናይ ሎሚ እዋን ክረምቲ 12 ሚሊዮን ሄክታር መሬት ብዘርኣቲ ብምሻፋን 303 ሚሊዮን ኩንታል ንምምራት ትልሚ ተታሒዙ’ሎ።
" ንሕና ብውልቅና ክንግምግም ከለና ግን ኣብ ናይ በልጊ ምንቅስቓስ ዝሰራሕናዮም ስራሕቲ ዘከሓሕስ እዩ ዝብል ናይ ባዕልና ገምጋም ኣለና" ኢሉ ኣቶ ኣለማየሁ።
ኤል-ኒኞ ዘስዓቦ ተፅዕኖ ድርቂ ንምንካይ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ዝሓበሩ ኣቶ ኣለማየሁ ይዛዘም ኣብዘሎ ናይ በልጊ እዋን ዝተመርተ ምህርቲ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ዝነበረ ብዓሰርተ ዕፅፊ ከምዝውስኽ ትፅቢት ኣሎ ኢሎም ይብል ፀብፃብ እስክንድር ፍሬው።
Your browser doesn’t support HTML5